ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ ዓለምለኸ ትካላት ንኣብ ቶጎጋ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ


ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካን፣ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒንዎም። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድማ ንዝተጎድኡ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝወሰደ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ "በቲ ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣዝዮም ከምዝተሻቀሉ" ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዩሪክ ገሊጹ። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ "ፈለማ ትኹረት ዝዋሃቦ ምድሓን ህይወት ስለዝኾነ፣ ዝተወሰኑ ካብ’ቶም ዝተጎድኡ ረቡዕ ምሸት ብኣምቡላንስ ተወሲዶም ኣለው። ናብ’ቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ኣቲና ንምጽራይ ሓቲትና ግን ዛጊድ ኣይካኣልናን ዘለና" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ሎሚ’ውን እንተኾነ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክትግበር ድልየትና እዩ። ዝሰፍሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝባጻሓሉ ኩነታት ኢና ንደሊ፣ ሓቂ ንምዝራብ ነገራት ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት የለውን ኢሉ ይገልጾ ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ኣሜሪካ በቲ 22 ሰነ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ቅትለትን ጉድኣትን ብዘውረደ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ከቢድ ሻቅሎት ከምዝፈጠረላ ገሊጻ ኣላ።

መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ አብ መግለጺኡ "ወትሃደራት ነቶም ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሕክምና ክረኽብሉ ዝኽእልሉ ማእከል ሕክምና ንከይሓልፉ ምትዕንቃፎም ዝሕብሩ እሙናት ጭብጢታት ረኺብና ኣለና" ይብል።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ወሲኹ "ግዳያት ናብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሕክምናዊ ደገፍ ዝረኽብሉ ማእከል ንከይኸዱ ምኽልካል ዘስካሕኽሕን ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይብሉን" እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቶም ዝተጎድኡ ምሉእን ምትዕንቃፍ ዘይብሉን ሕክምና ንክረኽቡ ከሐግዝ፣ ፈጸምቲ’ቲ ደብዳብ ንክሕተቱ ንዝቅይር ስጉምቲ ክውሰድን ቅልጡፍን ነጻን መርመራ ንክካየድ’ውን ጸዊዑ ኣሎ ።

ኣብ ትግራይ ውግእ ንከብቅዕ፣ ዘይተደረተ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክረጋገጽን ሰላማዊያን ሰባት ሓለዋ ንክረኽቡን ኣሜሪካ ጸዊዓ ኣላ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፍልድ ብወገነን "እቲ ፍጻመ ክምርመርን ፈጻሚኡ ንክሕተትን" ጸዊዔን። ንሰን ኣስዒበን፣ "ብዛዕባ ይፍጸሙ ዘለው መግሃስቲታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ፈጸምቱ ንክሕተቱ፣ ወትሃደራት ኤርትራ ንክወጹ ጸዊዕና ኢና። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሙሉእ ጊዚኡ ዝነጥፍ ፍሉይ ልኡኽ መዲብና ኣለና። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣንተንይ ብልንክን’ውን ይዋስኡሉ ኣለው። ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት’ውን ተዘራሪብናሉ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ኣጅንዳ እቲ ቤት ምኽሪ ዘይምኳኑ ግና ሕጉስቲ ኣይኮንኩን። "

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ጥቃ ዕዳጋ ሓሙስ ደጉዓ ተምቤን ኣብ ትርከብ ቶጎጋ 22 ሰነ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣዝዩ ዘሻቅል ከምዝኾነ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣውሮጳ እዚ ክስተት’ዚ፣ መቀጸልታ እቲ ዛጊድ ዝተመዝገበ ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ዓለምለኻዊ ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ግፍዒታት፣ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከምኡ'ውን ንጥምየትን ጾታዊ ምግሳስ ከምመሳርሕ ውግእ ምጥቃምን ኮይኑ ኣሎ ይብል ።

ሕብረት ኣውሮጳ ንሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ ዒላማ ምግባር ብጽኑዕ ይኹንን። "ብዝኾነ መገዲ ምኽኑይ ክኸውን ዘይኽእል ኣንጻር ዓለም ለኸ ሕጊን እዩ። እዞም ግፍዒታት’ዚኣቶም ይፍጸሙ ዘለው ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምኽባር ‘ዩ ዝብል መካትዒ ክቀርበሉ ኣይኽእልን።"

ሕብረት ኣውሮጳ ኣምቡላንሳት ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ንዝተጎድኡ ሰባት ናብ ማእከላት ሕክምና ሒዘን ንከይሓልፋ ተኸልኪለን ዝብል ሓበሬታ ሓቂ እንተኾይኑ ንከይኸዱ ተቀባልነት ዘይብሉ፣ ንውዕል ጄኔቫን ካልኦት ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ዝጻረርን እዩ ይብል ።

እቲ ሕብረት ወሲኹ ኣብ ትግራይ ቅጽበታዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክትግበር፣ ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ንሰብኣዊ ሓገዛት ንክረጋገጽን ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ይፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ እዩ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ክበራበርን ስጉምቲ ዝወስደሉ ጊዜ ሎሚ እዩ። ሕብረት ኣውሮጳ ዝቅጽል ወርሒ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦ ስጉምቲ ንክዘራረብ መደብ ከምዝሓዘ’ውን ገሊጹ ኣሎ ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና መግለጺ ዘውጸአ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እዩ። ብመሰረት’ዚ፣ ሸውዓተ ኣባላትን ክልተ ኣምቡላንሳትን ካብ ቶጎጋን ሃገረሰላምን ዝቆሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ከምዘምጽኡ ገሊጹ።

"ገለ ካብ’ቶም ዝቆሰሉ ኣዝዩ ከቢድ መጉዳእቲ ከምዝወረዶምን ናይ ህይወትን ሞትን ሕቶ ስለዝኾኖም ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ንክኣትው ከምዝተገበረን" ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG