ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ ክልል ትግራይ ንሪፖርት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል


ከተማ መቐለ -ፋይል
ከተማ መቐለ -ፋይል

ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብ16 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኽልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ሰፋሕቲ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ኣብ ሪፖርቱ ኣስፊሩ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ኽልል ትግራይ ነቲ ክሲ መልሲ ሂቡ'ሎ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ በዓል ኣርባዕተ ገጻት ጽሑፍ፡ ነቲ ዝቐረብ ክስታት ኣመልኪቱ ዝርዝራዊ መልሲ ሂቡ'ሎ። "ምምሕዳር ትግራይ ኮነ ኢልካ ንሲቪላዊ ዒላማታት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ" ኣትሪሩ ከም ዝቃወም ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ከምኡ ዝመስል ተግባራት ፈጺሙ እንተዀይኑ፡ ዝግባእ ምርመራ ገይሩ ዝግባእ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። “ተሓታቲ ናይቲ ኩሉ ጥፋኣት” ግን ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ “ምምሕዳር ኣቢይን ሊሃቃን ኣምሓራን’ዮም” ከምኡ ዘብል ምኽንያት ድማ ብዕሙት ፕሮፓጋንዳን ጽልኢን ገና ዝዀነ ምድላው ዘይገበረ ሰለማዊ ህዝቢ ናብ ኲናት ሓድሕድ ምእታዎም ይኸስስ።

ቀጺሉ እቲ መግለጺ ትካል ኣምንስቲ ግቡእ ግንዛበ ከይሓዘን ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ከየንበበን ኣብ ቅልጡፍ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ ብምእማን፡ ነቲ ዝተባህለ ክስታት ምስቲ ኣብ ባይታ ክዉን ዝበሎ ፍጻመታት እናነጻጸረ ከብርህ ፈቲኑ።

ንሲቪላዊ ህዝቢ ዕላማ ገይሩ ንዝብል ክሲ፡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ በቲ ዝነበረ ጻውዒት መሳርሒ ኲናት ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ኣብቲ ኲናት ከም ዝኣተወን ከም ነብሰ-ምክልኻል ድማ ሰራዊት ክትኵስ ከም ዝተገደደ የብርህ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝወጸ መልሲ “መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ከይተረፉ” ኣብቲ ኲናት ምእታዎም’ውን ይኸስስ ።

ንዓለምለኸ ውዕላት ዝጠሓሱ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ዘይኰኑስ፡ ሰራዊት ፈደራል፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን’ዮም ዝበለ መግለጺ ድማ ናጻን ዘይሻራዊን ኣካል ከጻርዮ ጸዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG