ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ


ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፥ ሓባራዊ መግለጺ ላዕለዎት ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ቀውሲ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ጉዳይ ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ ዘስደምም'ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ። ኣቶ የማነ ኣብቲ መልእኽቱ: "እዚ መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ድሮ'ቲ ናብቲ ዞባ ዝልኣኾ አጻራይ ልኡኹ ዝወጸ ምዃኑ ዘይዝኑቕን ፍሉይን ይገብሮ" ኢሉ።

"መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ምግዳድ ዓሌታዊ ጎንጺ ኢሉ ዝቑዝም" ዝበለ ትዊተር ኣቶ የማነ ገብረመስቀል : ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕጂ ዘየለ ህውሓት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ክኽተሎ ዝጸንሓ ዓሌትን ምክፍፋልን መሰረት ዝገብረ ኣሰራርሓ ንዓመታት ዝቐጸለ ጎነጽ ዘሰዓበ ቀውሲ ግን ዝረሰዐ ይመስል ኢሉ::

ብተወሳኺ ህውሓት ድሕሪ'ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ 2018: ንዓለምለኸ ሕጊን፥ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ሓይልታት ዝተሳተፉሉን ዝተሰማማዕሉን ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ብምጥሓስ ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምቁጽጻሩ ቀጺሉ ኔሩ'ዩ ዝበለ ሚንስተር ዜና ኤርትራ፥ ኣብ ኩሎም እዞም ዝተጠቀሱ ኣብነታት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ሞራላዊ ሓላፍነቱ ብምልዓል ብቢልዮናት ዝቑጸር ናይ ባጀትን ካልእ ሓገዝ ነቲ ጉጅለ ክህብ ጸኒሑ'ዩ ስለዚ ሕጂ ሕብረት ኣውሮጳ ፖሊሲኡ ዘሓድስሉ እምበር ንኤርትራ ዝኸሰሉ ጊዜ ኣይኮነን ኢሉ::

ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለፂ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ሰለስተ ኣዋርሕ እንተሓለፈ`ውን ሕጂ`ውን እኹል ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ከም ዘይተኻእለ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት የጎሃህሩን ግፍዕታት ይፍፅሙን ዓሌታዊ ህውከት የጋድዱን ኣለዉ ዝተባህሉ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ድማ ነቲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ጻውዒት ንካፈል ኢሉ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG