ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐርቡ ዝተፈላለዩ ክስታት


ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ብቅድሚ ትማሊ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ መንግስቶም ንናይ ትግራይ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ይሰርሖም ንዘለው ተግባራት ብምብራህ "ነገራት ናብ ሕልኽላኽ ኩነታት ዝቕይር ዘይግቡእ ተፅእኖ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ምዕራፍ ነቲ ተግባር ዘጋድድ እምበር መፍትሒ ኣየምፅእን" ኢሎም።

ንሶም ብምውሳኽ "ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ንምምሕያሽ ማሕበራዊ ርክባት ንምሕያል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ትሕዝቱኦም ክምለሱን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ንምስራሕ ድልውቲ እያ።ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኢትዮጵያ እትደልዮ ናይ መሓዙትናን መሻርኽታትን ሓገዝ እምበር ነቲ ፀገም ብዝገደደ ዘተሓላልኽ ተፅዕኖ ኣይኮነን’’ ኢሎም።

"ብኻልእ ወገን ናይ ትግራይ ክልል ሓደ ሓደ ከባቢታት ንዝኸፍአ ዓፀቦ ምቅልዑ ዝገልፅ መግለፂታት ኣብ መሬት ንዘሎ ሓቂ ኣየርእን’’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምፍላጡ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ናይ ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቡዎም ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ከባቢ ክሕረስ ዝኽእል መሬት 70% ንሕርሻ ድልዊ ምዃኑ ብምጥቓስ "እዚ ድማ ዝኸፍአ ጥምየት ዘትርፍ እዩ’’ ኢሎም።

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ቅድም ክብል መግለፂ ዝሃቡ ናይታ ሃገር ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌድዮን ጢሞትዮስ ኣብቲ ክልል ዝተፈፀመ ምድፋርን ካልኦትን ገበናት እናፃረዩ ክስታት ይምስርቱ ከምዘለው ገሊፆም እዮም።

XS
SM
MD
LG