ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ግሎባል ኣላያንስ` ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ንዝተፈናቐሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ሂቡ


`ግሎባል ኣላያንስ` ዝተባህለ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ማሕበር ዓለምለኸ ምትሕብባር መሰል ኢትዮጵያውያን ፡ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ተፈናቒሎም ኣብ ዞባ መተከል ቻግኒ ንዝርከቡ ተፈናቐልቲ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ብር ዝግመት ድጋፍ ጌሮምሎም።

ተወካሊ ግሎባል ኣላያንስ ፕሮፈሰር ኣቻምየለህ ደበላ ኣብ ከተማ ቻግኒ ተረኺቡ ነቲ ሓገዝ ከበርክት ከሎ፥ እቲ ረድኤት ዝተገዝአ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ብዝተገብረ ምእካብ ገንዘብ`ዩ እዚ ድማ ንወገን ዝበጽሓሉ ወገን ስለዝኾነ`ዩ ኢሉ።

ተወካሊ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፥ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ክሳብ ዝምለሱ፡ እቲ ሓገዝ ክቕጽል ተማሕጺኑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG