ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግሎባል አላያንስ ካብ ቡራዩ ንተመዘናበሉ ዜጋታት ናይ 400,000 ዶላር ሓገዝ ኣተአኻኺቡ


ዓለምለኸ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያዊያን/Global Alliance For the Rights of Ethiopians /ዝተብሃለ ትካል ኣብ ቡራዮ ግድኣት ንዝወረዶም ዜጋታት ዝውዕል ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ልዕሊ 400 ሽሕ ዶላር ሓገዝ ምእካቡ ገሊፁ።

ናይቲ ትካል መስራቲ ኣቶ ታማኝ በየነ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ክንድ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብዙሕ ከምዘይተሰርሐ ብምግላፅ ክሳብ ሎሚ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ከምዚ ዝበለ ህልኽ ዝተመልኦ ሓገዝ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢሉ።

ነቲ ገንዘብ ብወገን መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ናይቲ ኮሚሽን ምኽትል ኮሚሽነር ኣቶ ዳመናው ዳሮ ነቲ ገንዘብ ካብ ኢድ ኣክቲቪስት ታማኝ በየነ ምቕባሎም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG