ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጣዊ መግለጺ ኣምባ.ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ቅድሚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ "ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ረቡዕ ንኣፍሪቃ ዝምልከት አጀንዳ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝትግብሮም ፖሊሲታት" ኣነጸረን።

ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ብቴለፎን ኣብ ዝነበረን ጋዜጣዊ መግለጺ "ነዞም ስግኣታትን ብድሆታትን ንምግጣም ምስ ኣፍሪቃዊያን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢ" ኢለን። "እቲ ምሩጽን ሓያልን ምሕዝነት ዝፍጠር ግና፣ ኣብ ምትእምማን፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝተመሰረተ እንተኾይኑ ጥራሕ’ዩ" ኢለን።

ኢትዮጵያዊያን ካብ ምምሕዳር ባይደን ውጽኢት ክንሪኢ ኢና ኢሎም ተስፋ ከይገብሩ ክቀብጹ’ዶ ይግባእ? ዝብል ሕቶ እዩ ቀሪቡለን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶምስ ግሪንፊልድ። ንሰን ዝሃበኦ መልሲ "ኢትዮጵያዊያን ከምኡ ዝዓይነቱ ኣንፈት ክመርጹ እዮም ዝብል እምነት የብለይን። ምምሕዳር ባይደን ካብ ፈለማ መዓልቲ ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ጉዳይ ተጸሚዱ እዩ ዝርከብ። ፕረዚደንት ባይደን፣ ንሴነተር ኩንስ ናይ ባዕሎም ልኡኽ ገይሮም ልኢኾም።ጄፍ ፊልትማን ኣብ ኢትዮጵያ በጺሖም ተመሊሶም። ኣነ ብወገነይ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣጀንዳ ኮይኑ ንክቀርብን ውሳነ ንክወጽእን ሰሪሔ እየ። ክቅጽለሉ’ውን እየ። ስለዚ ምምሕዳርና ንጹር ጽምዶ’ዩ ነይሩዎ" ኢለን።

ጉዳይ ትግራይ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከምዘይላዓል ዝሓበራ እተን ኣምባሳደር ወሲኼን "ብዛዕባ’ቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መግሃስቲ መሰላትን ግፍዒታትን ዝሓደረና ከቢድ ስግኣት ገሊጽና፣ ኣትሪርና ኮኒናዮ’ውን ኢና። እዞም ዝጠቀስኩዎም መልእኽታት ድማ ሪኢኹምዎ ኢኹም። ክንቅጽለሎም’ውን ኢና። መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንከውጽእ ጸዊዕና ኢና። ጄፍ ፌልትማን ንኤርትራ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ተዘራሪቡ እዩ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ብዝላዓለ መሪሕነት ተዘራሪብናሉ ኢና" ባሃሊት እየን።

"ስለዚ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ’ዞም ጉዳያት’ዚኦም ተጸሚድና ጸኒሕና ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣፍልጦ ኣለዎም ኢለ እየ ተስፋ ዝገብር። ፍታሕ ንምንዳይ ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ እዮም እየ ዝብል" ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG