ኣብ ስደተ እትርከብ ጋዜጠኛ ሉሲ ካሳ ናይ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መዲያ ተዓዋታ ኣላ። ብዛዕባ’ቲ ናብ ዓወት ዘብጽሓታ ዛንታን ካልእ ምስ ሞያኣ ተኣሳሲሩ ዘጓነፋን ማሕለኻታት ኣመልኪትና ኣዘራሪብናያ ኣሎና። ሉሲ ኣብዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣብ ቢቢሲ ዘሕተመቶ ጽሑፍ’ውን ትጠቅስ’ዩ። ነቲ ናይ ቢቢሲ ጽሑፍ ኣመልኪቱ፡ ጎንደር ዩኒቨርስቲ፡ ኣብ ቢቢሲ ዝወጸ ጽሑፍ ኣትሪሩ ኮኒኑዎን መስረት ኣልቦን ክብል ኣብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣፍሊጡ ኣሎ።