ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛ ነበር ኣቶ ጸሃዬ ደባልቆ ዓሪፎም


ንነዊሕ ዓመታት ብሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ዝተፈለለዩ ማዕከናት ዜና ዘገልገለ ኣቶ ጸሃዬ ደባልቆ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ`ሎ።

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ`ውን ሓደ እዋን ዝሰርሐ ኣቶ ጸሃየ፥ ብዝሓደሮ ሕማም ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ`ዩ ዝሓለፈ 3 ሚያዝያ 2020 ዓሪፉ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 1943 ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተወልደ ኣቶ ጸሃዬ ደባልቀው፥ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ውሉድን ኔሩ።

ሓደ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሬድዮን ተሌቪዥንን ጋዜጠኛ ዝነበረ ጸሃዬ ደባልቀው ሰላም ዕረፍቲ- ንቤተሰብ ጽንዓት ይሃብ።

XS
SM
MD
LG