ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛ ለምለም ተስፋይ ዓሪፋ


ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ብብሞያ ጋዜጠኝነት ዝሰርሐት ለምለም ተስፋይ ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድሚኣ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ካብ ኣቦኣ ኣቶ ተስፋይ ተፈሪን ካብ ኣዴኣ ወ/ሮ ዘነበች ወልደማርያምን ኣብ ከተማ ዓድዋ 1 መስከረም 1954 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተወልደት ለምለም ተስፋይ፡ ካብ 1 ሰኔ 1986 ዓ.ም ጀሚራ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ፣ ፕሮግራም ትግርኛ ካብ ሪፖርተርነት ክሳብ ኣሰናዳእነት ኣብዘለው መደባት ሰሪሓ።

ካብ 1 ታሕሳስ 2013 ጀሚራ ካብቲ ትሰርሐሉ ዝነበረት ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ ብጡረታ ድሕሪ ምፍናዋ፡ ኣብ ሕክምናዊ ሓለዋ ዝጸንሐት ጋዜጠና ለምለም፡ ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድሚኣ ትማሊ 27 ሰኔ 2014 ዓሪፋ። ስርዓተ ቀብሪ ጋዜጠኛ ለምለም ተስፋይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዮሴፍ ቤተክርስቲያን ሎሚ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ተፈፂሙ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG