ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

26 ጋዜጠኛታት ዳይሬክተር ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ ስልጣኖም ክለዓሉ ፀዊዖም


26 ጋዜጠኛታት ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ /VOA/ ዳይሬክተር እቲ ትካል ካብ ስልጣኖም ክለዓሉ ፀዊዖም ።

እቶም ዳይሬክተር ምትእትታው ናይ ወጻኢ አካላት ንዝኽልክል ሕጊ ጥሒሶምን ካብ ውልቃዊ ቂሞም ተበጊሶምን ናይ ነዊሕ ዓመት ልምዲ ዘለዋን ኣብ ዋይትሃዉስ ሪፖርተር ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኮይና እተገልግልን ጋዜጠኛ ናብ ካልእ ክፍሊ ክትምደብ ገይሮም ብዝብል እዩ ስልጣኖም ክሓድጉ ዝሓተቱ ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዝወፀ መግለፂ ዳይሬክተር ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሮበርት ሪሊን ምኽትሎም ኢሊዝቤት ሮቢንስን መምርሒ ጋዜጠኝነት ሕጊ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብምጥሓስ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፔዮ ነፃ ናይ ቀጥታ ፈነወ ብምድላው ንኽዛረቡ ድሕሪ ምፍቃዶም ኣብቲ እዋን ነቶም እዋን ስልጣኖም እናተዛዘመ ዝመፅእ ዘሎ ማይክ ፓምፔዮ ንኽሓትዎም ካብ ክፍሊ ዜና ንዝተዋህብዎም ሕቶታት ሓደ እኳ ኣይሓተቱን በዚ ድማ ድሕሪ እቲ መደብ ንማይክ ፓምፔዮ ሕቶ ክትሓቶም ንዝፈተነት ጋዜጠኛ ካብ ቦታኣ ክትለዓል ብምግባሮም ኣግባብ የብሉን ብዝብል ከምዝኾነ ይሕብር ።

ምሉእ ት ሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG