ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛታት ካሜሩን ብመንግስትን ዕጡቓትን በደል ይወርደና`ሎ ኢሎም


ፋይል
ፋይል

ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ መረረቶም ዘስምዑ ጋዜጠኛታት ካሜሩን ብመንግስትን በቶም ንናጻ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረብ ግዝኣት ዝቃለሱ ዕጡቓትን በደል ይወርደና`ሎ ኢሎም።

ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ኣብ ናይ 2020 ናጽነት ፕረስ ጸብጻቡ- ንካሜሩን ካብ 180 ሃገራት ኣብ 134 ሰሪዕዋ ይርከብ።

ኣብ ካሜሩን ናጽነት ፕረስ ምንቁልቋሉ ቀጺሉ`ሎ ዝበለ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት፥ ፕረዚደንት ፓወል ቢያ ኣብ 2018 ን7ይ ግዜ ካብ ዝምረጽ ጋዜጠኛታት ንቐጻሊ ንመጥቃዕትን ምፍርራሕን ምክልባትን ይቃልዑ ኣለዉ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG