ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛታት ሱዳን: ሰራዊት'ታ ሃገር ናብ ዞባ ዳርፉር ከይኣትው ምኽልካሉ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ኔትዎርክ ጋዜጠኛታት ሱዳን ሰራዊት ሱዳን ጋዜጠኛታት ናብ ዞባ ዳርፉር ከይኣትው ይኽልክሎም ኣሎ ክብል ከሲሱ።ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ቀረባ ብዘጋጠሙ ግጭታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 100,000 ሰባት ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ሰራዊት ሱዳን ነቲ ክልከላ መጀመሪያ ዝሃቦ ምክንያት ኩነታት ፀጥታ ዝብል ክከውን ከሎ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ግን ዝኾነ ይኹን እገዳ ኣይተገብረን ኢሉ ኣሎ።

ወኪል ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ናብ ዳርፉር ንምኻድ ፍቓድ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን ብምኽልካል ከምዝጀመረን ፀኒሑ ግን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ፍቓድ ከምዝተኸልኡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ነገዳት ብሰንኪ ዝተኻየደ ግጭት 117,000 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ጎረቤት ቻድ ምህዳሞም ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG