ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራውያን ትሕቲ 23፡ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ወጺኣ


ብትሕቲ 23 ዕድመ ደቀንስትዮ፡ ቀዳመይቲ ጣልያን፡ ነይዘርላንድስን ጀርመንን ድማ 2ይን 3ይን ኣለዋ

ብመሰረት ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ውድድራት ብሽክለታ(ዩሲኣይ)፡ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝሓዘት ጋንታ ኤርትራ ብ38 ነጥቢ ቀዳመይቲ ወጺኣ`ላ።

ንኤርትራ ስዒባ ብ31 ነጥቢ 2ይቲ ተሰሪዓ ዘላ ጀርመን ክትከውን ከላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብ28 ነጥቢ 3ይቲ ኮይና`ላ።

ብትሕቲ 23 ዕድመ ደቀንስትዮ፡ ቀዳመይቲ ጣልያን፡ ነይዘርላንድስን ጀርመንን ድማ 2ይን 3ይን ኣለዋ።

ብናይ ዓበይቲ ደቀ-ተባዕትዮ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ በልጅም`ያ።

ብዓበይቲ ደቀንስትዮ ድማ ነዘርላንድስ ትመርሕ ከምዘላ እቲ ዓለም-ለኸ ማሕበር ውድድራት ብሽክለታ(ዩ ኣብ ዘውጽኦ መዐቀኒ ደረጃታት ኣመልኪቱ`ሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዓወታት ብምምዝጋብ ዝፍለጡ ተወዳደርቲ ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ብትሕቲ 23 ዓመት ዕድመ፡ ኣብ ዓለም ቀዳሞት ኮይኖም ምስርዖም ብደገፍትን ብሰበ-ስልጣን መንግስቶም ናእዳ ይውሕዘሎም ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ (4)

እዚ መድረኽ'ዚ ተዓፅዩ'ሎ
XS
SM
MD
LG