ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ናይ 2011 ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና


ውድድር ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ 2011 ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተዛዚሙ፡ ጋንታ መቐለ ድማ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ዓቲራ:: ጋንታታት ሲዳማ ቡናን ፋሲል ከነማን ድማ ኣብቲ ሊግ ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ነቲ ውድድር ዛዚመን::

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል 30 ሰሙን ትማሊ ኣብ ስታድዮም ከተማ መቐለ 70 እንደርታ ንድሬዳዋ ከነማ 2 ብ 1 ብምስዓር ዋንጫ ዓቲራ። ኦሴይ ማዊሊ ኣብ መበል 45፣ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ድማ ኣብ መበል 55 ደቒቓታት ብፍፁም ቅላዕ ብወገን መቐለ ሸቶ ዘመዝገቡ ኮይኖም: ኤልያስ ማሞ ናይ ድሬዳዋ ድማ ብሕታዊት ሸቶ ኣብ 78 ደቒቓ ኣመዝጊቡ:: በዚ ድማ መቐለ 70 እንደርታ ብ59 ነጥቢ ናይቲ ሊግ ሻምፒዮን ክትኸውን ከላ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ድማ ብ18 ሸቶታት ዝለዓለ ኣብቲ ሊግ ጎል ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኮይኑ’ሎ።

ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ናይ 2011 ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:50 0:00

ኣሰልጣኒ መቐለ 70 እንደርታ ገብረመድህን ሃይለ ድሕሪ እቲ ፀወታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ውድድር ዓመተ 2011 ፈታንን ብዙሕ ፀገማት ዝነበርዎ ኮይኑ ዝሓለፈ እዩ: ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ኩሉ ፀገም ተሳጊርና ንዓወት ብምብቃዕና ሕጉስ እየ ኢሎም:: ኣብ ዝቕፅል ዓመት እታ ጋንታ ኣብ ሻምፒዮንስሊግ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ብምኳና ብኣግኡ ምድላዋት ብምግባር ንዝሓሸ ውፅኢት ንምርካብ ክንቀሳቐስ ኢና ኢሎም::

ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ሊግ ዝኣተወት መቐለ 70 እንደርታ ተዓዋቲት ፕሪይመርሊግ ኢትዮጵያ ክትኸውን ኣብ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ እዩ:: ደገፍቲ እቲ ጋንታ ትማሊ ኣብ ጎደናታት መቐለ ወፂኦም ሓጎሶም ክገልጹ ኣምስዮም::

ኣብ ካልእ ፀወታ ሲዳማ ቡና ኣብ ሜዳኣ ምስ ወልዋሎ ገጢማ 3-0 ተዓዊታ:: ሲዳማ ቡና ካብ መቐለ 70 እንደርታ ብሓደ ነጥቢ ድሒራ ብ58 ነጥብታት እቲ ውድድር ካልኣይ ብምኳን ዛዚማ:: ነቲ ሊግ እናመርሐት ናይ መወዳእታ ፀወታ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዘካየደት ፋሲል ከነማ ድማ ምስ ስሑል ሽረ 1-1 ተፈላልያ:: ብመሰረት እዚ ፋሲል ከነማ ብ57 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ እቲ ሊግ ዛዚማ:: ደደቢት፣ መከላከያን ደቡብ ፖሊስን ድማ ካብቲ ሊግ ዝወጻ ጋንታታት ኮይነን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG