ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋና- ብድሮን ንግዳዊ ንጥፈታት ተካይድ


ፋይል
ፋይል

ጁሚያ ዝተባህለ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ ርሕቀት (ኢ-ኮመርስ) ኣካፋፋሊ ኣብታ ኣህጉር ብመገዲ ድሮን ንግዳዊ ንጥፈታት ከካይድ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ነዚ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ክቕጽል ትጽቢት ዝግበሮ ብመገዲ ድሮን ዝባጻሕ ዕዳጋታት ከም ናይ ፈለማ ሃገር ጋና ተመሪጻ ኣላ።

ትካል ጁሚያ (Jumia) ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፈላሚ ብድሮን ዝግበር ምክፍፋል፡ ኣብ ከተማ ኦመናኩ ኣብ ፈላሚ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣካዪዱ።

ትካል ጁሚያ ድሮ ዕዉት ስራሓት ከም ዘበገሰን እቲ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ምሉእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ዝቕጽልን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ትካል ኣካይዲ ስራሕ ኣገልግሎታት ኣፖርቫ ኩማር ኣብ ምብጋስ እቲ ተልእኾ ከም ዝጠቐሶ፡ እቲ ምብጻሕ ዘተኣማምን፡ ውሑስ፡ ቅልጡፍን ንኣከባቢ ዘይጎድእን'ዩ ክብል ገሊጹዎ። ናብቲ ዝረሓቐ ወገናት ኣፍሪቃ መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምብጻሕ ብሩህ ተስፋ ምዃኑ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ትካል ፎርብስ (Forbes) ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብቀረባት ኤሌክትሪክሲቲን መራኽቢታት ጽርግያ ድሒራ ከም ዘላ ኣመልኪቱ ነይሩ። እቲ ትካል ግን እታ ኣህጉር ብዘርእየቶ ናይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተበጻሕነት ብፍሉይ ጠቒሱዎ። ኣብ ኣፍሪቃ ተባጽሕነት ኢንተርነት 70% ምድያቡ ድማ ጸብጻብ ፎርብስ ይጥቅስ። ኣውፍርቲ እምበኣር ነዚ ብልጫ’ዚ ብምዕዛብ’ዮም ወፍሪ ዘካይዱ ዘለዉ። ብመገዱ ኣቢሎም ድማ ነቲ ድሒሩ ዘሎ ትካላት ትሕተ-ቅርጺ ክመልኡ ይጽዕሩ።

እቲ ትካል ጀሚሩዎ ብዘሎ ናይ ድሮን ምብጻሕ እቲ ቀዳማይ ዝተገንዘቦ ማሕንቖ፡ ምዝጉብ ኣድራሻታት ስለ ዘየሎ’ዩ። ብሰንኩ ድማ ነቲ ኣብ ገዛ ደለይቲ ብቐረባ ክባጻሕ ዘኽኣለ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ብሰንኪ ስእነት ኣድራሻ ከቢድ ይገብሮ።

ነዚ ብመገዲ ድሮን ዝግበር ምብጻሕ ንግዳዊ ንብረታት ካልእ ዕንቅፋት ፈጢሩ ዘሎ ብኵራት ኣገባብ መተሓላለፊ ክፍሊት’ዩ። ብዙሓት በቲ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ትጽቢት ዝግበረሎ ዜጋታት ብመገዲ ኢንተርነት ኣቢሎም ክኸፍሉ ይጽገሙ’ዮም።

ኣብ ሩዋንዳ መድሃኒት ክታበት ብመገዲ ድሮን ብዕዉት ተባጺሑ’ዩ። እንተዀነ ኣብ ዕድጊ፡ ብሰንኪ ስእነት ናይ ፋይናንሳዊ መተሓላለፊ ተመሳሳሊ ስራሕ ምክያድ ኣይከኣልን።

ትካል ጁሚያ ኣብ 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 30 ዝኸውን መኽዘናት ኣለዎ። እቲ ዝርአ ዘሎ ሕጽረታት ኣብ ዝቃለለሉ እቲ ትካል ተበጻሕነቱ ናብ ካልኦት ሃገራት ከስፍሕ ትጽቢት ይገብር።

XS
SM
MD
LG