ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋና: ፈላማይ ጽዕነት ክታበት ቫይረስኮሮና ተቐቢላ


ጋና ብወድብ ጥዕና ዓለም ኣቢላ ናይ መጀመሪያ ፅዕነት ክታበት ኮቪድ 19 ተቐቢላ።

ብመሰረት ሓባራዊ መግለፂ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን 600,000 ዶዝ ክታበት ኣስትራዘኒካን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ኣክራ ኣትዩ ኣሎ ።

እቲ ናብ ጋና ተላኢኹ ዘሎ ክታበት ብውድብ ጥዕና ዓለም COVAX ዝተባህለ ተበግሶ ዝተዓደገ እዩ።እቲ ፕሮጀክት ሃብታም ሃገራት ነቲ ክታበት ብምዕዳግ ንኩለን ሃገራት ብማዕረ ዘከፋፍል እዩ።ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንኮቫክስ ዝኸውን ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቃል ኣትዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG