ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መንግስቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክገብር ሓቲቱ


ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣውነት መሰረት ዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየስዕብ መልክዑን ተኹሲ ደው ንምባል ስምምዕ ክገብር ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምሕታቱ ፋናን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን(ኢዚኣ​) ጸብጺበን።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ምስ ኢዚኣ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ክረምቲ ይኣቱ ስለዘሎ፡ሓረስቶት ትግራይ ተረጋጊኦም ስርሖም ክዓሙ ከምኡ`ውን ንሰብኣዊ ተረዳእቲ ብዘይ ጸገም መታን ክበጽሖም፡ ነቲ እዋን ዝምጥን ፓለቲካዊ ፍታሕ ንምሃብ ፈደራል መንግስቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክገብር ሓቲቱ`ሎ።

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ሓረስቶት`ቲ ኽልል ኣብዚ ክረምቲ`ዚ ናብ ማሕረስ እንተዘይኣትዮም ሓረስቶት ንዓመታት ተረዳእቲ ኮይኖም ናይ ምንባር ዕድል ክገጥሞም`ዩ ኢሉ ።

ኣተሓሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ቢልየን ብር ረድኤት ንምቕጻል ኣገልግሎት መንግስትን ህንጸት መሰረተ ልምዓትን ኣውዒሉ`ዩ ኢሉ።

ህወሓት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ንከይበጽሕ ከምዘተዓናቕፍ ዝገለጸ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ህወሓት ንሰራሕተኛታት ረድኤት ይቐትል፡ ዜጋታት ረድኤት ከይቅበሉ ከምዘፈራርሕ፡ እንተ ተቐቢሎም ድማ ክመቕልዎ ከምዘፈራርሕ ኣረዲኡ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG