ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብሞያ ሰ/መሰላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክመክር ሓቲቱ


ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብሞያ ሰ/መሰላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክመክር ሓቲቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:26 0:00

ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብሞያ ሰ/መሰላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክመክር ሓቲቱ

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክመክር ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ከምዘሕዘኖን ከምዘይቕበሎን ምላሽ ሂቡ።ኤርትራ እውን ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ኮኒናቶ'ላ።ካብ ህወሓት ዛጊት ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን።

ብኻልእ ዜና ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይውዓል ሕደር ክጅምር፣ቅድሚ እቲ ኵናት ዝነበረ ናይ ክልል ትግራይ ዶባት ክኽበር፣ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኩሉ ከባቢ ኢትዮጵያን ግዝኣት ክልል ትግራይን ክወጽእን ዝብሉ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ኣሎ።ቅድሚ ሎሚ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከምዘይቕበል ዝገለፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ዓለምለኸ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ህወሓትን ከም ብሓዱሽ ዝጀመረ ኵናት ብዓሚቕ ከምዝተሓሳሰቦ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።ወታሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ስለዘለው እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምስፋሕ ሓደጋ ኣለዎ ኢሉ።እቲ ኮሚሽን ኩሎም ወገናት ተፃብኦታቶም ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ከብሉ፣ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ምኽባር ግቡኦም ክዋፅኡን ናብ መስርሕ ሰላማዊ ልዝብ ክምለሱን ደጊሙ ፀዊዑ ኣሎ።

ናይቲ ዞባ ሰላምን ድሕነትን ኣብ ግምት ብምእታው ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክዘራረበሉ ምውሳኑ እውን እቲ ኮሚሽን ሰናይ ኢሉዎ ኣሎ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎምን ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ንምክልኻልን ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዑ ኣሎ።ክብደት ናይቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝለዓለ ኣጀንድኡ ክገብሮ እቲ ኮሚሽን ፀዊዑ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መገልፂ ኣብ ዝሃቦ መልሲ በዚ መግለፂ ከምዝጉሃየ ሓቢሩ።እቲ ኮሚሽን ብቕዓት የብሉን ወይ ነቲ ሰብኣዊነት ኣብ ግምት ዘእተወ ስምምዕ ህወሓት ከምዘፍረሶ ብዝግባእ ኣይፈለጠን ይብል።እቲ ኮሚሽን ንጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ናይ ምግላፅ ስልጣን ከምዘለዎ ክምካሕ የብሉን ይብል። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክወስድ ምፅውዑ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ባህሪ ናይቲ ዝሕብርን ሰብኣዊ መሰላት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ምጥቃሙ ሓቀኛ ሃቀንኡ ዝተቓለዐሉን እዩ ክብል ነቒፉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ በቲ ኮሚሽን ንዝወፀ መግለፂ ብምንፃግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባሮም ኣብ ምርግጋፅን መግሃስቲ ዝፈፀሙ ድማ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብን ምስርሑ ክቅፅለሉ እዩ ይብል።

ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ዓርቢ ብትዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ኣፍሪቃ "መርማሪ ኮሚሽን" ብዝብል ብሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጠጅአ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምሉእ ብምሉእ ውዱቕ ክትገብሮ እዋኑ ሎሚ እዩ ኢሎም።እዞም ኣካላት እዚኦም ንዝተውሃቦም ሓላፍነት ብተደጋጋሚ ብምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊነት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ቅድመ ኩነት ከቐምጡ ይርኣዩ እዮም ክብሉ ኣቶ የማነ መሊሶም።

ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ብዝምልከት ካብ ህወሓት ዛጊት ዝተውሃበ ግብረ መልሲ የለን።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ኵናት ዝተፈጸሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምሩ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ዓለምለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣጣይሹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃወሞ ከሎ ህወሓት ብወገኑ ከምዝደገፎ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንፕረዚዳንት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኒኮላስ ዲ ሪቪየረ ኣብ ዝፀሓፉዎ ሰለስተ ገጽ ዝሓዘ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተኸፊቱ ኣሎ ዝበሉዎ ኵናት ምጥፋእ ዓሌትንን ዕንወትን ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ "ዝርኣናዮን ዝሓለፍናዮን’’ እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ምሉእን ዝተዋደደን ኵናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከፊቶም ኣለው፣ከይዲ ሰላም በርዒኑ፣ስምምዕ ሰላም ተጣሒሱ፣ኩሎም ስርሒታት ሰብኣዊ ሓገዛት ጠጠው ኢሎም ኣለው ኢሎም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ነቲ ብሓይልታት ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ወራር ደው ከብሎም ብምፅዋዕ ቶኽሲ ጠጠው ክብል ሓቲቶም።

ንሶም ኣብ ደብዳቢኦም ክማልኡ ኣለዎም ዝበሉዎም ኣርባዕተ ነጥብታት ኣቐሚጦም።ብዘይውዓል ሕደርን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዝተነብረ ዕፅዋ ምሉእ ምልዓል ክልዓል፣ንፁርን ስምምዕ ዝተበፅሐሉን ኣገባብ ሓዊሱ ገደብ ዘይብሉ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ምርግጋፅ፣ሰራዊት ኤርትራ ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ኢትዮጵያን ናይ ትግራይ ግዝኣትን ክወፁን ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ክትትል ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ኣብዘየውርድሉ ቦታ ክሰፍሩን ከምኡ እውን ብሕገ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝረኸበን ቅድሚ ኵናት ሕዳር 2020 ዝነበረ ዶባት ትግራይ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስን ይፅውዕ።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብቕድሚ ትማሊ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኹዎን ናይ ክልል ትግራይ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ብትዊተር ኣብ ዘውፅኦን ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ናይ ዶክተር ደብረፅዮን ምዃኑ ዘረጋገፁዎን ግልፂ ደብዳበ "ትዕግስትን ምዕቃብን ኣር ኢና ኣለና፣ንሰላም ስትራተጂያዊ ድልውነት ገይርና ኣለና፣እቲ ድልውነት ንምዝዛም ቅሩባት ኢና" ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ውግእ ቀፂሉ ኣሎ።እቲ ኵናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ክልቲኦም ወገናት ብግልፂ ዝበሉዎ የለን። እቲ ውግእ መን ጀመረ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

XS
SM
MD
LG