ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬን ከምዘሎ ተሓቢሩ


 አምባሳደር ሙሉ ሰለሞን
አምባሳደር ሙሉ ሰለሞን

ኣብ በርሊን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ብምኽትል'ቲ ተልእኾ ዝምራሕ ጉጅለ ናብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬን ብምኻድ ካብ ኲናት ዩክሬን ሃዲሞም ዶብ ንዝሰግሩ ኢትዪጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ከምኡዉን ደገፍ ንዝደልዩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ይሕግዝ ከምዘሎ፣ ኣብ ጀርመን፣ ፖላንድ፣ ሪፑብሊክ ቼክን ስሎቫክን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሙሉ ሰሎሞን ገሊጸን።

ኣብ ዩክሬን ፣ ፖላንድ፣ ሃንጋሪ፣ ሩማንያን ስሎቫክን ዝርከቡ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት፣ በዞም ስዒቦም ተጠቂሶም ዘለው 49-176-7269-0994 ወይካኣ 49-176-8334-3348 ቁጽሪታት ቴለፎን፣ ነታ ጉጅለ ክረኽቡዋ ከምዝኽእሉ’ውን እተን ኣምባሳደር ገሊጸን።

እተን ኣምባሳደር ወሲኸን፣ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዶብ ክሰግሩ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን፣ ኣድልዎ ከምዝፍጸሞምን፣ ኣብ ዶብ ብወገን ዩክሬን፣ ንበይኖም ክጸንሑ ዝግበረሉ መዓስከር ከምዝተሰርሐን ዝገልጽ ሐበሬታ ከምዘሎ ገሊጸን: ኣብ ሕብሪ ቆርበት መሰረት ዝግበር ኣተሓሕዛ ፈጺሙ ተቀባልነት የብሉን ኢለን'ለዋ። ነቲ ጉዳይ'ውን ናብቶም ኣብ በርሊን ዝርከቡ ኣምባሳደራት 48 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝወስደኦ ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG