ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ተነጸልቲ ካሜሮን ንመማህራን ኣከለ ጉዱኣት ጨውዮም


በቶም ጉጅለ ተነጸልቲ ዝተዘግሓ ምስሊ ተጨወይቲ ካብ ዝሓዘ ቪድዮ ዝተወስደ
በቶም ጉጅለ ተነጸልቲ ዝተዘግሓ ምስሊ ተጨወይቲ ካብ ዝሓዘ ቪድዮ ዝተወስደ

ጉጅለ ተነጸልቲ ካሜሮን 10 መምህራን ኣካለ ጉዱኣት ምጭዋዮም ተፈሊጡ።

ኣብ ካሜሮን ኣብ ዋትስ-ኣፕ ሓዊሱ ኣብ ብማሕበራዊ ሚዲያ ክዘዋወር ዝተርኣየ ቪዲዮ 10 መምህራን ዝሓዘ ጉጅለ ንዕጡቓት ጉጅለ ተነፀልቲ ኣንግሎፎን ካሜሮን ህይወቶም ንምድሓን ክምሕፀኑ የርእይ።

ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይን ምዃኖም ዝተሓበረ መማህራን ኣብ ከተማ ጎምሃም ንኣካለ ጉዱኣት ቆልዑ ዝምህሩ ዝነበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።ሰራዊት ካሜሮን እቶም ተነፀልቲ ኣብዚ ሰሙን ነቶም መምህራን ምጭዋዮም ሎሚ ዓርቢ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ናይቶም ጉጅለ ተነጸልቲ ብቪዲዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓላፍነት'ቲ ጭውያ ወሲዱ ኣሎ።እቶም መምህራን መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ብዘይምዕፃዎም ከምዝቕጽዑ ምኽትል ሓላፊ ምክልኻል ናይቲ ጉጅለ ካፖ ዳኒኤል ገሊፁ ኣሎ።

እቶም ዓመፅቲ ካብ 2017 ጀሚሮም ካብ መብዛሕቲኦም ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ካሜሮን ንምንፃል ኣብ ምዕራብ ክፋል ናጻ ሃገር ንምምስራት ክዋግኡ ፀኒሖም ኣለው።

ሰበስልጣን ወታሃደራቶም ካብ ምዕራባዊ ከባቢታት ክወፁ ብምሕታት ንመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ፅሕፈትን ኣጥቒዖም እዮም።

መንግስቲ ካሜሮን ነቲ መጭወይቲ ኮኒኑዎ ኣሎ።

ኣብ ጎምሃም ዝርከብ እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብዝኾነ ቋንቋ ዝመሃርሉ: ክሰምዑ፣ክዛረቡ ዘይኽእሉን ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዝተቖረፁ ዓሰርተታት ተማሃሮን ካልኦትን ዝመሃርሉ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ውግእ ብውሑዱ 3,500 ሰባት ተቐቲሎም፣700,000 ተመዛቢሎምን 750,000 ቆልዑ ካብቲ ትምህርቲ ተዓናቒፎም ይርከቡ ይብል።

XS
SM
MD
LG