ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ናይ መወዳእታ ምርኢቱ ንህዝቢ ኣቅሪቡ


ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሰንበት 22 ታሕሳስ 2019 ኣብ ኣስመራ- ሲነማ ሮማ ናይ መወዳእታ ባህላዊ ምርኢቱ ንህዝቢ ኣቅሪቡ።

ኣብቲ ምሸት ህቡባትን ፍትዋትን ደረፍት ጸደንያን ቤቲጂን ናይ ፈለማ ሙዚቃዊ ምርኢተን ብምቕራብ ነቲ ባህላዊ ምሸት ድምቀት ወሲኸናሉ ኣምስየን። ብጉጅለ ባህሊ ብሔራዊ ትያትርን ጃኖ ባንድን ዝቐረብ ምርኢት ውጺኢት ናይቲ ዝተረኽበ ሰላም ከምዝኾነን ህዝቢ ንህዝቢ ዘራኸበ መደብ ከምዝነበረ ነበርቲ ኣስመራ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ምርኢት ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ፡ኣብ ከተማታት ከረን፡ ምጽዋዕን ኣስመራን ዓብይን ታሪኻዊ ዝተባህለሉ ምርኢት ድሕሪ ምርኣዩ ጽባሕ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG