ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ስታድየም ከረን ሙዚቃዊ ምርኢት ከምዘቕረበት ተሓቢሩ


ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ስታድየም ከረን ሙዚቃዊ ምርኢት ከምዘቕረበት ካብ`ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሎሚ`ውን ስታድየም ከረን ልዕሊ ዓቕሙ መሊኡ ከምዝነበረን፡ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣባላት`ታ ጉጅለን ነበርቲ ከረንን ሓቢሮም ኣለዉ።

ጉዕዞ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዝተፈጥረ፡ ምሕዝነት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ብኽልቲኦም ወገናት ይግለጽ ኣሎ።

እታ ጉጀለ ባህሊ ንትሸዓተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ትጸንሕ ክትከውን ከላ፡ ካብ ከረን ብተወሳኺ፡ ኣብ ምጽዋዕን ኣስመራን`ውን ምርኢታታ ክተቕርብ`ያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG