ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ከተማ መቐለ ምብጻሕ አካይዱ


40 ዝኾኑ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ቅድሚ ትማሊ ናብ መቐለ ብምምራሕ ትማልን ሎምን ብዝተፈላለየ መልክዑ ምስ ሰብ-ሞያ ግዚያዊ ምምሕዳር`ቲ ክልል፡ ምስ ዝተወሰኑ ነበርቲ ከምኡ`ውን ምስ ገለ ተፈናቐልቲ ከም ዝተዛተዩ ተሓቢሩ`ሎ።

ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወ/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ናብ መቐለ ዝመጹ፡ ክልል ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ተረዲኦም ኣካል`ቲ ፍታሕ ንምዃን`ዩ- ብእኡ መሰረት ድማ ነቲ ዘሎ ጸገማት ብዝግባእ ተረዲኦሞ ኣለዉ ኢላ።

"ትማሊ ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝመጹ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ ድማ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ዝርከቦም ዓበይቲ ዓዲ መቐለ ኣትዮም`ዮም። ካብ ከተማ መቐለ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ፡ ከምኡ`ውን ድማ ካቢኔ ኣባላት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምምይጥ ተኻይዱ`ዩ።"

ካብቶም ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት እንታይ ከምዝመስሉ ዝተሓተተት ወ/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ከምዚ ክትብል ትምልስ።​

" ካብ መራሕቲ ሃይማኖት መቐለ፡ ካብ ኣባላት ካቤኔ ግዚያዊ ምምሕዳር፡ ዝተላዕሉ ሕቶታት ኔሮም`ዮም። ትግራይ ዘላቶ ኩነታት፡ ብኤኮኖሚ ንድሕሪ ምምላስ፡ መሓውራት መሰረት ልምዓታ ምዕናው፡ ምጥፋእ ህይወት ሰባት፡ ጥምየትን ምፍንቓልን ሰባት፡ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም ኔሮም። ንሳቶም`ውን ነቲ ኩነታት ተገንዚቦሞ`ዮም፡ ኣብዚ ክብጻሕ ኣይነበሮን፡ ቅድሚ ሎሚ ንዕርቀ-ሰላም ናብዚ መጺእና ኔርና ኢና፡ ከይተዓወቱ ተሪፉ- ነዚ ምርኣይና ብዙሕ ንሓዝን ዝብል ምላሽ`ዮም ሂቦም። ከምኡ`ውን ኣብ ተዋሰንቲ ክልላት መሬትና ዝተወስደና`ሎ- ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ህዝብና ዝቕተለሉ ዘሎ ኩነታት፡ ንብረቱ ከምዝተዘርፈ ብዙሕ ህይወት ከምዝጠፍአ፡ መንግስቲ ድማ እከለ ኣትዩ ኣይኣተወን ምባል ገዲፉ፡ ምሳና ተሰማሚዑ፡ ነቲ ጸገም ኣፍልጦ ሂቡ፡ ናብ መፍትሒ እንተኸድና`ዩ ዝሓይሽ`ምበር፡ ጽባሕ`ውን ካብዚ ዝኸፍእ ንኸይበጽሕ ምንም ውሕስነት የብልናን ስለዚ ብቕልጡፍ ተራእዩ ካብ መንግስቲ ፍታሕ ክመጻልና ዝብል ሕቶታት`ዩ ኔሩ "

ብዛዕባ`ቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ተቓውሞ ክትዛረብ ከላ ድማ፡ ናብ ከተማ መቐለ ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ወጻእን ብዙሓት ኣጋይሽ`ያ ኣብ ምትእንጋድ ትረክብ ድሕሪ ምባል እቶም ዝቃወሙ ግን እቶም ኣጋይሽ ነቲ ጸገም ከምዘይርድኡ፡ መቕለ ጽቡቕ ከምዘላ ጥራሕ ሒዞም ዝኸዱ ስለዝመሰሎም`ዮም `ዮም ኣድማ ጌሮም ድሕሪ ምባል እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን ትብል፡" እቲ ሓቂ ንሱ ኣይኮነን፡ እዞም ሰባት ኣብ ህዝቢ ዝወረደ ጸገም ተረዲኦም፡ ክሕግዙ ከምዝደልዩ፡ ካብቶም ኣብ መቐለ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት`ውን ብግልጺ ተነጊርዎም፡ ሓገዝትና ንክኾኑ፡ምስ ፈደራል መንግስቲ ይኹን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተዘራሪቦም፡ ፍታሕ ንከምጽኡ ዝተዘተየሉ ኣኼባ`ዩ ኔሩ- ኣነ`ውን ኣብኡ ኔረ`የ "

ብኻልእ ወገን እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ቅድሚ ሎሚ እቲ ኩናት ክካየድ ከሎ፡ ነቲ ኩናት ደጊፎም- ሕጂ ንረድኤት ብዝብል፡ናብታ ከተማ ምእታዎም ነበርቲ ንክቃወሙ ብኢንተርነት ብዝቐረበ ጻውዒት መሰረት ትማልን ሎምን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኣብያተ ንግዲ መብዛሕቲኦም ከምዝተዓጽዉን ከምኡ`ውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት መንገድታት ምዕጻዎምን ጎማታት ምቅጻሎምን ተሓቢሩ`ሎ።

ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ዋና ጸሓፊ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣይትቀበልዎም ዝብል ካብ ወጻኢ ዝስማዕ ፕሮፓጋንዳ ክህሉ`ዩ- ንሕና ግን ናይ ሰላም`ምበር ናይ ፖለቲካ ተልእኮ ሒዝና ኣይኮናን ሒዝና ንኸይድ- ንናይ ህዝብና ሰላም ድማ ዋጋ ካብ ምኽፋል ንድሕሪት ንብለሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።እቲ ጉጅለ፡ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ኩሉ ሰብ ተረባሪቡ ህጹጽ ረድኤት ክገብር ከምዘለዎ- ከምኡ ንምግባር ድማ ብዕቱብ ከምዝሰርሑ ካልኦት ሕቶታት ድማ ናብ ፈደራል መንግስቲ ከምዘቕርቡ ምግላጹ`ውን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣስዒቦም ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ዘሎ ባኒ እምበር እምኒ ክድርበየሉ ኣይኮነን ዝጽበ ኢሎም።

"ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘድልዮ- ኣይትቀበሉ -እምኒ ደርብዩ ዘይኮነስ- ኩሉ እንተኽኢሉ- እምኒ ዘይኮነ ባኒ እንተዘቕብል`ዩ። ሎሚ ዝተረዳእናዮን ዘብከየናን- 4.5 ሚልየን ከባቢ ረድኤት ዝደሊ`ዩ-ካብኡ ድማ 2.2 ሚልየን ካብ ክዳን ጀሚሩ ቅልጡፍ ናይ ማተርያል ሓገዝ ዘድልዮ`ዩ። ነዚ ኩሉ ህዝቢ ንምሕጋዝ ድማ ኩሉ እንተዘይተረባሪቡ እቲ ሓደጋ ከቢድ`ዩ።"

ኣተሓሒዞም ህዝቢ ትግራይ ክሕገዝ ኣለዎ- ዘይምርዳእ ከምዝፍታሕ ይገልጹ።

"ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ኣይትቀበሉ ኣይትውሰዱ ዝብሉ፡ ንሳቶም ብሽኮቲ እናበልዑ ኣብ ውሽጢ ንዘለዉ ግን ባኒ ኣይትቀበሉ እናበሉ- ኣብ ዓራት ኣስከሬን ዝእከበሉ ኩነታት ኢና ንሰምዕ ዘለና። ስለዚ ነቶም ሃይማኖታዊ ኣቦታት ንፖለቲካ ረብሓ ኣብ ክንዲ ምምልማል፡ ነዚ ህዝቢ ባኒ ምኹላስ ዝሓሸ `ዩ።"

እቲ ኣኼባ ብመንግስቲ ዝተጸውዐ መሲልዎም ዝተረፉ ኔሮም ዝብሉ ቀሲስ ታጋይ ታደለ፡ እቲ ኣኼባ ንሕና ከምዝጸዋዕናዮን ተራኺብና ከምንዛተን ምስ ሰምዑ ፡ድሮ ብሓባር ተራኺብና ከምንዘራረብ ተሰማሚዕና ኢና ስለዚ እቲ ንሎሚ ሓሲብናዮ ዝነበርና ፕሮግራም ኣኼባ`ውን ጽባሕ ንክቕጽል ኣሰጋጊርናዮ ኣለና ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG