ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም


ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዝተገብረ ልዝብ መብዛሕትኡ ሕቶታት’ታ ቤተ ክርስትያን ከምዝተመለሰ ኣፍሊጣ።

ንፓትሪያርክ’ታ ቤተ ክርስትያን ሓዊሱ ሊቃነ ጳጳሳት’ዉን ዝሓቆፈ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝገበሮ ልዝብ ንመብዛሕትኡ ሕቶታት መልሲ ምሃቡ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ጴጥሮስ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ሲኖዶስ’ታ ቤት ክርስትያን ዘይሕጋዊ’ዩ ዝብልን “ሲኖዶስ ብሄር ብሄረሰባት ኦሮምያ” ብዝብል ዝተመስረተ ኣካል ን5 ለካቲት ዝፀወዖ ሰልፊ ንኻልእ ግዜ ምንዉሑ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ክህነቶም ኣልየ ፈልየዮም ዝበለቶም ኣቡነ ሳዊሮስ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንኸይዲ’ቲ ዕርቀ ሰላም ከምዝድግፉ ገሊፆም’ለዉ።

ብኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ናይ እገዳ ሕቶ ዝቀረበሉ ቤት ፍርዲ: እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ዘውገዘቶም ተፀዋዕቲ ትእዛዝ እገዳ ምሃቡ ተገሊፁ’ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኢሰመኮ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኸኣ ኣብ ውሽጢ’ታ ቤተ ክርስትያን ምስ ዝተፈጥረ ፀገም ብዝተተሓሓዘ ብዉሑዱ ሸሞንተ ሰባት ካምዝተቀትሉ ከምዘረጋገፀ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ምኽትል ዋና ኮሚሽነር’ቲ ኪሚሽን ራኬብ መሰለ እቲ ኮሚሽን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣዘራሩቡ ነቲ ፀገም ማዕልቦ ንምርካብ ይፅዕር’ሎ።

XS
SM
MD
LG