ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ አዲስ አበባ ምእታው ከምዘሓጎሶ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ አፍሊጦም


ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ድሕሪ ምቁራጹ ንፈለማ ልዝብ ዝለዓለ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ አዲስ አበባ ምእታው ከምዘሓጎሶ ዋና ጸሓፊ በዓል ስልጣን ልምዓት በይነ መንግስታት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ማሕቡብ መዓሊም አፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ዝወሰድዎ ተበግሶ ‘ተባዕ’ ክብሉ ዝጸውዕዎ ክኾኑ ከለው ብዙሕ ዝተአሳሰረን ጸጋታት ዘለወን ክልቲኣን ጎረባብቲ ሃገራት ናብዚ ፈላማይ ስጉምቲ ከምዘብጸሓን እቶም ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ገሊጾም።

“እቲ ልዝባት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኤርትራን ብሓፈሻ ኸአ ኣብቲ ዞባ ዝነአድ ፈረ ከምዝርከቦ እምነት ኣምባሳደር መዓሊም’ዩ” ዝበለ’ቲ መግለጺ እቲ ልዝባት ብዕውት ንክኻየዱ ኢጋድ ክገብሮ ዝከአል ኹሉ ንምግባር ውፉይ’ዩ ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ናይዞም ሓደሽቲ ለውጢታት ብዝለዓለ ብርኪ ተረባሕቲ ንዝብልዎም ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት እንዃዕ ሓጎስኩም ኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG