ዋሽንግተን —
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ከካይድ ዝቕነየ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ሎሚ ኣብ ሪያድ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ተራኺቡ።
ኣብ`ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስዑዲ ዓረብ ዝተጻወተቶ ተራ ከምዘመስገኑ ናብ`ቶም ንጉስ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ምግላጾም፡ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ንጉስ ሳልማን ብወገኖም፡ ንሰላምን ጸጥታን`ቲ ዞባ፡ ስዑዲ ዓረብ ሓላፍነታ ከምትግንዘብን ንሓበራዊ ረብሓን ምትሕግጋዝን ከምትሰርሕን ከምዘረጋገጹ፡ ኣቶ የማነ ኣብ`ቲ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ጠቒሱ`ሎ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ቅድሚ ናብ ስዑዲ ምቕንዑ፡ ግብጽን ሶማልያን በጺሑ ምንባሩ ይፍለጥ።