ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣመሪካ ምስ ምሩጽ-ፕረዚደንት ኬንያ ንምርኻብ ናይሮቢ ኣትዩ


ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣመሪካ ምስ ሓዲሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ንምርኻብ ኬንያ ኣትዩ`ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያ እቲ ብሰነተር ክሪስ ኩንስ ዝምራሕ ጉጅለ ምስቲ ካብ መዝነቱ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምስ`ቲ ተዓዋቲ ምርጫ ዝኾነ ዊልያም ሩቶን ክራኸብ`ዩ።

ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ ዊልያም ሩቶ ምኽትል ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ`ዩ ኔሩ፡ እንተኾነ ኬንያታ ኣብቲ ምርጫ ንመራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ይድግፍ ኔሩ።

ብጸቢብ ዝተሳዕረ ኦዲንጋ ብወገኑ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ብሕጋዊ መስርሕ ክምርመር ጸዊዑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG