ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ልኡኽ ሕ/ሃ ስርሑ ኣብ ትካል ኑክሌር ዩክሬን ቀጺሉ'ሎ


ኣብ ደቡባዊ ዩክሬን ዶብ እታ ብሩስያውያን ተታሒዙ ዘሎ ትካል ኣጽዋር ኑክሌር ዛፖሪዣ ዝርከበላ ወረዳ ኢነጊደር ዝካየዱ ደብዳባት ከቢድ ብረት ሓዊሱ ኲናት ቀጺሉ ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ደሕንነትን ጸጥታን ትካል ኣጽዋር ኑክሌር ዛፖሪዣ ብምብጻሕ ፈላማይ ዑደቶም ፈጺሞም ኣለው።

እቶም ክኢላታት ነዚ ናይ ትማሊ ሓሙስ ዑደቶም ዘካየዶ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሩስያን ዩክሬን ኲናት ኣብ ዝተጎሃሃረሉ ጊዜ'ዩ። እንተኾነ እቶም ክኢላታት ሎሚ ዓርቢ'ውን ስርሖም ቀጺሎም'ለዉ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮለድመየር ዘለንስኪ ድሕሪ'ቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ ዑደት ኣብ ዘስምዎ መደረ ዩክሬን እዚ ተልእኾ ንኽካየድ ኩሉ ዝከኣላ ገይራ'ያ ግን ጎበጥቲ ነቲ ተልእኾ ናብ ዘይረብሕ ዑደት ሓደ ነቁጣ ቀይሮም ድሕሪ ምባል ነቲ ጉጅለ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ ጊዜ ሓደጋ ትካል ኑክሌር ዛፖሪዣ ምግላጹ ጽቡቕ'ዩ ኢሎም'ለዉ።

ነቲ 14 ኣባላት ዝሓቆፈ ጉጅለ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሑ ዳይሬክተር ሓይሊ ኦቶሚክ ራፉኤል ግሮሲ ብዛዕባ ትካል ኣጽዋር ኑክሌር ዛፖሪዣ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG