ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ትኹረቱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝገብር ኣፍሊጡ


ፋይል- ከተማ አዲስ አበባ
ፋይል- ከተማ አዲስ አበባ

ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሃገራዊ ኩነታት ጸጥታ፣ ትኹረቱ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝግበር ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ማዕኸናት ዜና "ንዝፍንውዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ" ዝበሎ ጸብጻባት ከምዝብድህ’ውን ገሊጹ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ንደቁ ኣብ ኩናት ንከየእትዎም መልእኽቲ ከሕልፍ’የ’ውን ይብል።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ከምዝተመስረተ ዝገልጽ እቲ ጉጅለ ዲፕሎማሲ፣ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እናኸደ ብዛዕባ መርገጺ ኢትዮጵያን እቲ ጉዳይ ብቀረባ ንዝምልከተን ሃገራት መብርሂ ከምዝሃበ ይገልጽ።

ኣባላት’ታ ጉጅለ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተመሳሳሊ ስጉምቲታት ምፍጻም ኣገዳሲ’ኳ እንተነበረ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ግና ሓድሽ አንፈት ምስዓብ ግድን ገይሩዎ ኣሎ ይብሉ ። ካብ ኣባላት መሪሕነት ሓደ ኣቶ ጥበቡ በለጠ፣ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም፣ ብዙሕ ህዝቢ ንሓደጋ ዝተቃለዐሉ ኩነታት ኣሎ። ንኢትዮጵያ ዘፋለጡ ቅርስታትን ቤተ እምነትን ንሓደጋ ዝተቃልዕሉ፣ ከም ላሊበላ ኣብ ሓደጋ ወዲቆም አለው። ስለዚ፣ ነዞም ሓደጋታት ብምንካይ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ምርድዳእ ንክህሉ፣ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ጸቅጢ ምፍጣር፣ ንሉአላዊነት ኢትዮጵያ ዝዳፍኡ ኩነታት ሱዳናዊያን ንዶብና ጥሒሶም አትዮም እዮም። ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ነዞም ኩነታት ብደረጃ ሃገር ክሰርሐሎም እዩ" ኢሎም።

አካቢ’ቲ ጉጅለ ኣቶ ጌታቸው ጥበበ ብወገኖም፣ ህወሓት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ጉጅለ ሽብር ተባሂሉ ቅድሚ ምስያሙ፣ እቲ ነገር ብሰላማዊ ኣገባብ ንክዛዘም ተበግሶ ከምዝገበረ ጠቂሶም: እንተኾነ ሃገራዊ ኩነታት ሎሚ እናተጋደደን እናባኣሶን ስለዝመጸ፣ እቲ ጉጅለ መርገጺኡ ብግልጺ ንክገልጽ ከምዘገደዶ ኣቶ ጌታቸው አይከወሉን።

ብመንጽር’ዚ፣ ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፣ ዓለምለኸ መሓውራት ዜና ኣንጻር ኢትዮጵያ የቃልሐኦ ኣለዋ ንዝበልዎ ግጉይ ሓበሬታ ክምክቶ እዩ ኢሎም::

"ብደረጃ ዓለም፣ ዓይኑ ዘፍጠጠ፣ ብግልጺ፣ ሕብእብእ ዘይብሉ፣ መርገጺ ዝሓዙን ኤቲክስ ዘይብሎምን ዓለምለኸ መሓውራት ዜና፣ አብ ልዕሊ ሃገር ዝወፈርሉ ጊዜ እዩ። ትሕስው ኣለኹም ኢልና ኣሰርና ክነንብር ኢና።"

ውግእ ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣበርቲዖም ዝገለጹ ኣቦ መንበር'ቲ ጉጅለ ነቶም "እምቢ ባሃልቲን ልዕሌና ተዋጋኢ የለን ዝብሉ መራሕቲ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ንከይግብር መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም::"

XS
SM
MD
LG