ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘተሓሳስቦም ይገልጹ


ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበፅሕ ዘሎ መጥቓዕቲን ኣገዲድካ ምፍንቃልን ኣመልኪቶም ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት ከም ዘተሓሳሰቦም ይሕብሩ ። ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተጀመረ ኲናት ኣስታት 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዝነብሩ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን 'ምበር ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ሱዳንን ዋና ኸተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ተሰዲዶም እዩም ።


ዓለምለኸ ጉጅለ ተሓለቕቲ ስደተኛታት ከምዝበልዎ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናተኣከቡ ተገዲዶም ናብቲ ናይ ውግእ ዞባትግራይ ወይ'ውን ናብቲ ገዲፎሞ ዝመፁ ትውልዲ ሃገሮም ኤርትራ ክምለሱ ይግበር አሎ።

ሳራ ሚለር ላዕለወይቲ ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት "ሓደገኛ ናብ ዝኾነ ከባቢ ብሓይሊ ክምለሱ ምግባር ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ተግባር እዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍፅም ዘሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ናብቲ ቀንዲ ማእከል ኲናት ክልል ትግራይ ወይ 'ውን ሃዲሞም ናብ ዝመፅሉ ትውልዲ ዓዶም ኤርትራ ኣገዲድካ ክምለሱ ምግባር ዝለዓለ ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛታት 'ዩ" ኢለን ።

ንሰን ወሲኸን እዞም ሓበሬታታት ካብ ስደተኛታት ፣ ስድረኦምን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኮይኖም ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ እናሰርሑ ዝርከቡ ዝተኣከቡ ምዃኖም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG