ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለታት ረድኤት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ብጥምየት ክሞቱ ይኽእሉ ክብሉ የጠንቅቑ


ጉጅለታት ረድኤት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ብጥምየት ክሞቱ ይኽእሉ ክብሉ የጠንቅቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

ጉጅለታት ረድኤት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ብጥምየት ክሞቱ ይኽእሉ ክብሉ የጠንቅቑ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቐፀለ ኣዕናዊ ደርቂ ንሶማል ብከቢድ ኣጥቂዑዋ ኣሎ።16 ሚሊዮን ካብ ዝግመት ህዝቢ ሶማል እቶም 1.5 ሚሊዮን ሰባት ፀገም ውሕስነት መግቢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።ጉጅለታት ረድኤት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማሊያዊያን ብሰንኪ ጥምየት ሓደጋ ሞት ኣጋጢሙዎም ኣሎ።ህፃናት ብሕጽረት ኣመጋግባ ይሞቱ ከምዘለው ፀብፃባት ይሕብሩ ኣለው።

እዚ ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝተጎድኡ ቆልዑት ዝሕብሐብሉ አክሽን ኣጌንስት ሃንገር ዝተባህለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ገባሪ ሰናይ ትካል ይካየድ።ኣብ ወሰና ወሰን ሞቓድሾ ኣብ ዝርከቡ መፀለሊታት ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ንዘዕቖባ መብዛሕቲአን ድኻታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣገልግሎት ይህብ።

ፋዱሞ ማዲይ ብሰንኪ ሕፅረት ኣመጋግባ ሰለስተ ደቃ ምስ ሞቱዋ ካብ ደቡባዊ ገጠር እታ ሃገር ዝተመዛበለት ኣደ እያ።ሎሚ ምስቶም ዝተረፉ ሰለስተ ደቃ ኣብቲ መዕቖቢ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ትነብር።

"ቅድሚ እቲ ድርቂ ከብትን ምህርቲ ዘፍሪ ሕርሻን ነይሩና።እቲ ድርቂ ንኹሉ ነገር ኣብሪሱዎ።ኣብ ሕቑፈይ ዘሎ ህፃን ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ጥምየት ብከቢድ ሕፅረት ኣመጋግባ ይሳቐ'ሎ።"

ንሆስፒታላት ኣፃቢበን ዘለዋ ብጥምየት ዝተወፅዑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ዝሓዛ ኣዴታት እየን።ብድርቂ ካብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ዝሃድሙ ስድራቤታት ከተማ ሞቓድሾ እንኮ ተስፍኦም ገይሮም ይርእይዋ።

ኣሾ ኣዳን ብወገና ካብ ማእኸላይ ጁባ ዝመፀት እያ።"ክንዘርእ ኣይክኣልናን፤እንስሳታትና ሃሊቀን።ኩነታት ደቅናን ህይወትናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።ኣምላክ ምሳና ይኹን።"

ብቕልጡፍ እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ብዙሕ ሞት ከጋጥም እዩ ክብሉ ሓካይም የጠንቅቑ።ዶክተር ዓብዲርዛቅ ዩሱፍ ዳይሬክተር ማርቲኖ ሆስፒታል ንህፃናት ዝኸውን መግቢ ሕፀረት ከምዘሎ ይገልፅ።

"ብሕፅረት መግቢ ንዝተወፅዑ ቆልዑ ዝወሃብ ናይ መግቢ ንጥረ ነገር ዝሓዘ ጸባ ሓዊሱ ሓጋዚ መግቢ ክረኽቡ ኣለዎም። ብሕቡራት ሃገራት ዝረኸብናዮ ረድኤት ሕጂ ተፀንቂቑ ኣሎ።"

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ካብ ሞቓድሾ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣዴታትን ዕሸላተንን ሓገዝ ኣብ ምፅባይ ይርከባ።ኣብቲ መፅለሊ ዝሕግዙ ሰባት ተስፋ ዝቖረፁ ስድራቤታት ሓገዝ ብምድላይ መዓልታዊ ከምዝመፁ ይገልፁ።

ናሲፋ ሑሴን ሰራሕተኛ ናይቲ መናደይ ተመዛበልቲ እያ።"ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዛበሉ ሰባት ዝፀዓና 10 ዓሰርተ መካይን ክመፃ ይኽእላ።ዝቕፅል መዓልቲ ኣርባዕተ መካይን ቀፂሉ ኣብ ዘሎ ዕለት ሓዱሽቲ ኣይመፁን።ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ባዕላ ብድሆ ሒዛ ትመፅእ።ኩሉ ግዜ ዝተፈለየ ነገር ኣሎ።ምሉእ መዓልቲ መካይን ሰብ እናራገፋ ሰባት ናብቲ ካምፕ ክኣትው ሪኢኻ ኣለኻ።እቲ ሓቂ እዚ እዩ።"

መንግስቲ ሶማል ነቲ ከቢድ ድርቂን ቅልውላው መግብን ንምክልኻል ዓቕሚ ከምዝሓፅሮ ጉጅለታት ረድኤት ይገልፁ።ብዘይካ ተወሳኺ ሓገዝ ህጻናት ንከቢድ ኩነታት ምቅልዖም ብዝገደደ እናሓየለ ክቕፅል እዩ።

XS
SM
MD
LG