ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉድኣት አካል ዘይጸገሞ ኣብነታዊ መንእሰይ


ተስፋይ ፀጋይ ይበሃል።ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ፅጌሬዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተወልዱ ዓብዩ። ወዲ 11 ዓመት ህፃን እናሃለወ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ኣእጋሩን ኣእዳውን ፀገም ጥዕና አጋጢምዎ። ብዘይ ሓገዝ ሰብ ክንቀሳቐስ ኮነ ዋላ እውን ክዳን ክኽደን ኣይኽእልን።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ተዓፅዩ ምንቅስቓስ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ንእሸተይ ሓፍቱ ንሓዋ ሓደ ነገር ምግባር ጀሚራ። ተስፋይ ምስኣ ሓቢርዋ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ምግባር። ንዕኡ መመላለሲ ናይ ጉድኣት ኣካል ተሽከርካሪ ወንበር ስለዘይተረኸበ ሓዋ ሓዚላ በብመዓልቱ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምልላስ ጀሚራ። በዚ ድማ ተስፋይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ክሳብ ዝዛዝም 8 ዓመታት ሓዚላ ኣምሂራቶ።

ኣብ ስነ ፅሑፍ ፍቕርን ተውህቦን ዘለዎ ተስፋይ ሻምናይ ክፍሊ እንትዛዝም ውድድር ግጥሚ ተሳቲፉ ብብርኪ ትግራይ ተዓዋቲ ብምዃን ተሽከርካሪ ወንበር ሽልማት ረኺቡ። ካብኡ ንደሓር ካብ ሑቐ ሓፍቱ ወሪዱ ብተሽከርካሪ ወንበር ምጓዓዝ ጀሚሩ።

ጉድኣት አካል ዘይጸገሞ ኣብነታዊ መንእሰይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:55 0:00

ተስፋይ ትምህርቱ ዛዚሙ ፡ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሞያ ጋዜጠኝነት ቀዳማይ ድግሪ ረኺቡ ኣብ ስነፅሑፍ ስራሓት እውን ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጉዳኣት ኣካል ጠመተ ዝገበረ ደርፊ ንምውፃእ ስራሓቱ ዛዚሙ ዘሎ ተስፋይ 2 መፃሓፍቲ ፅሒፉ ድማ ንሕትመት ይፅበ ኣለኹ ይብል።

ተስፋይ ኣብ ከባቢኡ ጉድእ ኣካል ብምዃኑ ካብ ማሕበረሰብ ፀገማት ይበፅሖ ምንባሩ’ውን ይገልፅ።

ንተስፋይ 8 ዓመታት ሓዚላ ዘማሃረቶ ሓፍቱ ህይወት ፀጋይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓዋ ኣብዚ ብርኪ በፅሑ ብምርኣያ ከምዘሑግሳ ብምግላፅ "ድኻመይ ከንቱ ኣይተረፈን ፍረ ኣፍርዩ እዩ ትብል"።

ተስፋይ ብመሓዛቱ ተፈታውን ካብ ግዜ ህፃንነቱ ጀሚሩ ንፉዕ ተማሃራይ ምንባሩ ዝገልፅ ድማ ሓጎስ አብርሃ ዝተብሃለ መተዓብይቱ እዩ።

ተስፋይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓገዝ ሰብ እዩ ኩሉ ምንቅስቓሱ ዝፍፅም ዘለዎ ጉድኣት አካል ዝተወሰነ ሕክምና ተዝርክብ ብፍላይ ኣእዳዉ ለውጢ ከምፅእ ከምዝኽእል ይዛረብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጉድኣት አካል ዘይጸገሞ ኣብነታዊ መንእሰይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:14 0:00

XS
SM
MD
LG