ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳይ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ዝርከብዎም 16 ተከሰስቲ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ


ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝነበራ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን
ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝነበራ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝነበራ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን ካልኦት 16 ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበርን ኣመራርሓ ትካላት ንግዲን፣ ሎሚ ኣብ ዝነበሮም ውዕሎ ቤት ፍርዲ፣ ሕቶ ዋሕስን መጸውዒ ምብጻሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ኣካታዒ ኮይኑ ከምዝነበረ፣ ጠበቃኦም ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣቶ ሃፍቶም ፖሊስ፣ አካል ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ዝኾና ሱር ኮንስትራክሽን፣ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግን ትራንስ ኢትዮጵያን ብዝምልከት መጸውዒ ንከብጽሕ ከምዘይካኣለን ጉድለታት ኣሪሙ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝወሰነ ክገልጽ ከሎ፣ ዘይፍጽመሉ ምኽንያት እንተሎ ግና ኣብ ቀጻሊ ንቤት ፍርዲ ከፍልጥ እየ ከምዝበለ ሓቢሩ።

ተኸሰስቲ ሎሚ ካብ ሞንጎ ዘቅረብዎ ጥርዓን፣ ብዋሕስ ንክንፍታሕ ዓሚ ግንቦት ተፈቂዱልና ነይሩ እንተኾነ ካብ ማእሰርቲ ዓዲ ስለዘይዋዓልና፣ ንዋሕስ ዘትሐዝናዮ ገንዘብ ይመለሰልና ዝብል ከምዝነበረ፣ ቤት ፍርዲ ብይን ንምሃብ፣ ንድሕሪ 14 መዓልታት ቆጸራ ከምዝሃበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኸቶ ሪፖርት ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG