ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳይ ቻይና ንሃገራዊ ምርጫ ኣውስትራልያ ይዕብልል


ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ኣውስትራልያ
ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ኣውስትራልያ

ኣውስትራልያ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ትገብረሉ እዋን፡ ምስ ቻይና ዝህልው ምሕዝነት ቀንዲ ረቛሒ ጎስጓስ ምርጫ ኮይኑ`ሎ። ክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት፡ ምስ ቻይና ኣብ ዘሎ ኣተሓሕዛ ነንሕድሕዶም ይነቓቐፉ`ለዉ። ቻይና ዝዓበየት መሻርኽቲ ንግዲ ኣውስትራልያ`ያ።

ቻይና ብተወሳኺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ደሴታት ሰሎሞን ጸጥታዊ ውዕላት ተፈራሪማ`ላ፡ እዘን ደሴታት ድማ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ነባራት መሓዙት ኣውስትራልያ`የን ።

እቲ ስጉምቲ ድማ ቻይና ናብቲ ዞባ ከይተስፋሕፍ ዝብል ፍርሒ ኣበጊሱ`ሎ። ዳግም ክምረጽ ዝደሊ ዘሎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣውስትራልያ ስካት ሞሪሰን፡ ነተን ስትራተጂካዊ መሓዙት ምስ ቻይና ንከይጽግዓ እኹል ኣይገበርካን ብዝብል ብተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ክንቀፍ ጸኒሑ`ሎ፡ ።

ሞሪሰን ብወገኑ ኣብቲ ዞባ ህድኣት ኣብ ምምጻእ ብዙሕ ኣፍሪየ`የ ይብል። ቻይና ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምትእትታው ክትገብር ትደሊ`ላ ክብል ድማ ይነቅፍ።

ኣብ`ቲ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ዝካየድ ምርጫ ኣውስትራልያ፡ ሃገራዊ ጸጥታ ኣገዳሲ`ኳ እንተኾነ፡ ናህሪ ዋጋ፡ ቁጠባንን ለውጢ ክሊማን`ውን ንብዙሓት ኣድመጽቲ ዝያዳ ከም ዘገድሶም ዝተወስደ ርእይቶ ህዝቢ የመልክት።

XS
SM
MD
LG