ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዘተ ስትራተጂ ምምሕዳር ባይደን ተላዒሉ


ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን (ፋይል)
ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን (ፋይል)

ኮንግረስ ኣመሪካ “ስትራተጂ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት፡ ብወገን ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን ንከይዲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተላዒሉ ነይሩ። እቲ ካብ ካሊፎርኒያ ዝዀነ ኣባል ንኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትታል ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ሞልይ ፊ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፡ “ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ተስፋ እገብር ሽሕ'ኳ ኣካል`ቲ ስምምዕ እንተዘይኮነት”፡ግን ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ዓመጽን ጥሕሰትን እናፈጸመት እንከላ፡ “በቲ ስምምዕ ተቐይዳ ሰራዊታ እንተዘይሲሒባ ኣብ ልዕሊ`ታ ሃገር እንኮላይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ጽላት ዕደና እታ ሃገርን ማዕቀብ ክግበር ክንድግፍ`ዶ ኣይግባእን" ክብል ሓቲቱ። እቲ ኣባል ኮንግረስ ብተመሳሳሊ ነቲ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት እንተ ዘየማሊኣ ኢትዮጵያ ናብ ስምምዕ ኣጉዋ ከይትምለስ፡ ካብ ዓለማውያን ትካላት ከም ባንክ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ፋይናንሳዊ ሓገዛት ደው ክብልን ካልእ ንዕጫ ዕድል ምዕራብ ትግራይ ዝመልከትን ኣርእስታት ኣልዒሉ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትታል ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ሞልይ ፊ ድማ ምስሓብ ሓይልታት ወጻኢ ኣካል`ቲ ስምምዕ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ ኤርትራ`ውን ክትስሕብ ዝከኣሎም ክግበሩ ምዃኖም፡ ንኢትዮጵያ’ውን ነቲ ዝፈረመቶ ስምምዕ ከተትግብር ክሰርሑ ምዃኖምን ኣመልኪታ። ኣብ ዝርዝር ናይ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ መጻኢ መደባት ግን ኣብ ከይዲ ዝርአ እምበር ንቤት ጽሕፈታ ከም ዘይምልከት ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG