ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዕዞ ፖለቲካ ፕረዚደንት ትራምፕ


ብመሰረት ጸብጻብ ጆን ሃፕኪንስ ንሞት 230,000 ኣሜሪካውያን ምኽንያት ዝኾነ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ነቶም 74 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዝዳንት 'ውን ኣርኪቡሎም እዩ።

ይኹን'ምበር ካብ ሕማሞም ኣዐርዮም ከይሓወዩ ብዘይምቁራፅ ኣብተን ወሰንቲ ክፍለግዝኣታት ፍሎሪዳ ፣ሚሽጋንን ፔንስላቫንያን ጎስጓስ ምርጫ ከካይዱ ቀ፟ንዮም እዮም።

ቀይሕን ፃዕዳን ዝቀ፟ለሙ “ኣሜሪካ መሊስና ብልፅቲ ንግበራ “ ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ቆቢዖም ብምግባር ምስ ግዜ ክጓየዩ ተራእዮም እዮም ። ገለ ደገፍቶም ነቲ ኣብ 2016 ምስ ሂላሪ ክሊንተን ዝነበሮም ውድድር ይዝክሩ። ብዘይተገመተ መልክዑ ካብ ሰለስተ መብዛሕትኡ ግዜ ብዲሞክራሲያውያን ይዕብለላ ዝነበራ ክፍለ ግዛአታት ፔንስላቫንያ፣ ሚሽጋንን ዊስካንሰንን ሃንደበት ብዝረኸብዎ ድምፂ ዋይት ሃዉስ ክኣትዉ ኪሎም እዮም ።

ፕረዝዳንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዊስካንሰን ኣብ ዝገበርዎ ወፍሪ ምርጫ “ኣይክንሰዓርን ኢና ክንስዕር ኢና “ ክብሉ ደጊሞም ከምዝዕወቱ ርግፀኛ ኮይኖም ተዛሪቦም እዮም።

እንተኾነ ግን ብኣንፃሩ ንዘጋጥሞም ዕድል'ውን “እንተተሳዒረ ኣብ ታሪኽ ፕረዝዳንታዊ ፖለቲካ እዛ ሃገር በቲ ዝሓመቀ፟ ተወዳዳራይ'የ ዝሰዓር ዘለኹ ማለት እዩ። ምስ ዝሐሸን ብሉፅ ዓቅ፟ሚ ዘለዎን ሰብ ተወዳዲረ ተጸዓር ይመርፅ ። ሽንፈተይ ተቀ፟ቢለ እኳ ናብ ናብራይ ይምለስ።”

ትራምፕ ኣብ መጀመርታታት 2020 ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዉሃን ቻይና ምግጣሙ ምስተፈልጠ ናብን ካብን ቻይና ዝግበሩ ጉዕዞታት ብምዕፃው ዝወሰድዎ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ትራምፕ ከም መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምቁፅፅር እቲቫይረስ ተገይሩ ክውሰድ ይስማዕ እዩ። እንተኾነ ግን ትራምፕ ኣብ ሓደገኛነት እቲ ቫይረስ'ውን ጥርጣረ ከምዝነበሮም ክግልጹ ጸኒሖም'ዮም ።

“ሓደ መዓልቲ ብተኣምር ክጠፍእ እዩ “ ክብሉ መሊሶም እዮም።

ቁፅሪ መወቲ በቲ ቫይረስ ይበዝሕ ምህላዉ ተሓቲቶም ድማ“ክኸውን ዘሎ እዩ ዝኸውን ዘሎ” ኢሎም እዮም።

መብዛሕትኦም ፀብፃባት ከምዘመላኽትዎ ህዝቢ ብኣተኣላልያ ኮረና ቫይረስ ትራምፕ ዘራአይዎ ተግባር ከምዘይተሓጎሰ ርግፅ እዩ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ንትራምፕ እቲ ቀ፟ንዲ ሕቶ ኾይኑ ዘሎ በዚ ስማዒት እዚ ተዓብሊሎም 'ዶ መረፅቲ ካብ ዋይት ሃዉስ የውፁኡዎም ወይስ ነቶም ካልኦት ዓወታቱ ብምርኣይ ካልኣይ ዕድል ይህቡዎም ዝብል እዩ ።

Recommended

XS
SM
MD
LG