ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ኢህወደግ ሎሚ ኣብ ኣዋሳ ተኸፊቱ-ክሳብ ዓርቢ ክቕጽል`ዩ-ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ክመርጽ`ዩ


“ክሳብ ሎሚ ብጥምየትን ኩናትን ብልመናን ብስደትን ንዝፈልጠና ዓለም፡ ወሃባይ`ምበር ተመጽዋታይ፡ ርእሲ`ምበር ጭራ ከምዘይኮና ንኽነርኢ ተጊህና ምስራሕ ከድልየና`ዩ”ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ቁምነገር ንሕና ነዛ ታሪኻዊት ሃገር ካብ`ቲ ክትጥሕል`ያ ዝተባህለትሉ ዓዘቕቲ ኣውጺእና ናይ ደቃ ኩርዓትን ክብርን ዲና ክንገብራ ወይስ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ምህላውና ዘንጊዕና ነንሕድሕድና ብርስትን ጉልትን እናተባላዕና ናይ ደቅና መሕፍርትን ናይ ዓለም መስሓቕትን ክንገብራ ኢና ክብል ሓቲቱ።

ኣብ ማእከልና ሓደ እንተተጎዲኡ ኩልና ኢና ንጉዳእ ዝበለ ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኹላትና ትኸውን ውቅብቲ ሃገር ተደሚርና ክንሃንጻ ኣለና ኣለና ኢሉ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድንብልሽውና ብዝምልከት ብፍላይ ህዝቢ ዘድልዮ ኣገልግሎት ብገንዘብ ክዕድግ ኣይግባእን-ከምኡ እንተኾይኑ ምስፋን ሕማቕ ምሕደራ`ዩ ኢሉ።

“ብጉልባብ ምጉዳል ሰናይ ምሕደራ ነቲ ቀንዲ ሓደጋ ሃገርና ዝኾነ ሌብነት፡ በዞም ብልሽውና፡ ክራይ-ኣካብነት ዝብሉ መዐሸዊ ቃላት ምቅብጣር ገዲፍና ንሃገር ዝሰረቐ ሌባ፡ ሌባ ንብለሉ ሞራል ብቖራጽነት ክንሃንጽ ኣለና።”

ን18 ፖለቲካዊ ውድባት ውሽጢ ሃገር ወኪሉ ኣብ`ቲ ናይ ኢህወደግ ጉባኤ መደረ ዘስምዐ ኣቶ ዋሲሁን ተስፋየ ብወገኑ፡ ህዝቢ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት በቃ ኢሉ ብዘካየዶ ቃልስን ኢህወደግ ንባዕሉ ኣሪሙ ምቕራቡን ንሃገር ካብ ጫፍ ውድቀት ምድሓን ከምዝተኻእለ ጠቒሱ።

“ሃገርና ኣብ ከመይ ዓይነት ኸቢድን ንህልውና ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት ክትወድቕ ኣብ ጫፍ በጺሓ ምንባራ እንዝክሮ መሪር ሓቂ `ዩ።”

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG