ኣዲስ ኣበባ —
ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሎሚ 25 ጥሪ 2023 ከምዝጅመር ተሓቢሩ።እቲ ጉባኤ ዝተጸውዓ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተዋህበ ዝበለቶ ሹመት ጳጳሳት ተዘራሪባ ንምውሳን እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ በሪ ቤተ ክህነትን ከባቢኡን ኣብ ሓለዋ ነይሮም ዝበሉዎም ኣባላት ፖሊስ ምልዓሎም ብምግላፅ መንግስቲ ፀጥታ ናይ ምኽባር ስርሑ ክቕፅል ኣለዎ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስን ሃገረ ስብከት ኒውዮርክን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ሓቲቶም።
ንዝቐረበ ቅሬታ መልሲ ዝሃቡ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ክሳብ ሕጂ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ዝኾነ ይኹን ትካል ተመዲቡ ዝሕለወሉ ኣሰራርሓ የለን ኢሎም። "ስግኣት ኣሎ ዝብል መረዳእታ እንተሃሊዩ ግን ካብ ገበን ንምክልኻል ምስ ስራሕና ኣዋዲድና ክንፍፅም ኢና’’ኢሎም።