ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሃይማኖታውያን ትካላት ኢትዮጵያ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ናይ ምክርን ጥንቓቀን መልእኽቲ ኣሕሊፉ


ላዕለዎት ኣቦታት ጉባኤ ሃይማኖታውያን ትካላት ኢትዮጵያ፥ ብዛዕባ'ቲ ዓለምለኻዊ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ናይ ምኽርን ጥንቃቐን መልእኽቲ ናብ ምእመናን ኣሕሊፎም።

ኩሉ ከከም እምነቱ ንፈጣሪ ብምልማን ጸሎት ከብጽሕ'ውን መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም።

ነቲ ሓባራዊ መግለጺ መራሕቲ ሃይማኖት ብጽሑፍ ዘንበቡ ሊቀ-ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታከለ፥ መነባብሮን ባህልን'ቲ ሕብረተሰብ ንኸምዚ ዓይነት ምዝርጋሕ'ቲ ቫይረስ ምቹእ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ብብዝሒ ሓጥያት ዝመጻና ፈተና ንምስጋር ኩላትና ጥንቃቐ ክንገብር ይግባእ ኢሎም፥-

እቶም ወኪል መራሕቲ ሃይማኖት ምእመናን ወሲኾም ብዝተፈጥረ ኩነታት ከይተረበሽናን ብሸለልትነት ከይርኣናን፥ኣብ ናይ ኣምልኾ ስነ-ስርዓትና ይኹን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ርክባትና ጥንቃቐ ምግባር ኣድላይ እዩ ኢሎም ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብተወሳኺ ንማሕበረሰብ ንግዲ ኣመልኪቶም'ውን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

“ብዘይካ’ዚ ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ ሚድያን ስነ-ምግባር ዝሓለወ ትኽክለኛ ምንጪ ዘለዎን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንወገኖም ኣብ ምሕላው ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግባእ።”

ንቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝወከሉ ብጹእ ኣቡነ ኣረጋዊን ፡ ተቐዳሚ ሙፍቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ምስልምና ኢትዮጵያ ሓጂ ዑመር እድሪስን 'ውን በብወገኖም ምስ'ዚ መጸዋዕታ ዝሳነ መልእኽትታት ኣሕሊፎም።

ከማኡ'ውን ካርዲናል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብርሃነ እየሱስን ፕረሲደንት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ፓስተር ጻዲቅ ኣብዶን በብወገኖም መልእኽትታት ዘሕለፉ ክኾኑ ኸለዉ፡

ኣብ መወዳእታ ኩላትና ከከም እምነትና ገጽና ናብ ፈጣሪና ብምዛር ንመሬትና ፈውሲ ክእዝዘልና ጸኒዕና ክንልምን ይግባእ ክብሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG