ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ፍጻመ ሃይማኖት መሰረት ዝገብረ ከምዘይኾነ ኣፍሊጡ


ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ንሞት ብርክት ዝበሉ ሰባት፣ ንዕንወት ንብረት ጠንቂ ዝኾነ ግጭት፣ ሃይማኖታዊ ከምዘይነበረ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ትማሊ ናብቲ ቦታ ብምጉዓዝ ምስ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ህዝባዊ ኣኼባ ከምዘሳለጠ ዝገልጽ እቲ ትካል፣ ጸገም ሰናይ ምሕደራን ሕቡእ ኣጀንዳ ዘሰጉሙ ዝበሎም ወገናት ዘበገስዎ ከምዝኾነን፣ ገበነኛታት ንዝበሎም ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ፣ ዝተጎድኡ ክፍሊ ሕብረተ ሰብ፣ ዘድሊ ድጋፍ ንክግበረሎምን ልዕልና ሕጊ ንክረጋገጽ ኣንፈት ከምዝተነጸረ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ሪፖርት ይሕብር።

ምምሕዳር’ታ ከተማ፣ ኣብ’ቲ ተግባር ተሳቲፎም ንዝበሎም ኣስታት 250 ጥርጡራት ከምዝኣሰረ’ውን ወኪልና ኣብ ዝላኣኾ ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG