ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዲም ኢትዮጵያዊ ስነ ጥበባዊ አለማየሁ እሸቴ ዓሪፉ


አለማየሁ እሸቴ
አለማየሁ እሸቴ

ተማር ልጄ: እንዳሞራ ፡ ኣዲስ ኣበባ ቤቴ የወይን ሃረጊቱ ዝብላን ልዕሊ 300 ናይ ሙዚቃ ስራሓትን ዘፍረየ ኣለማየሁ እሸተ፡ ኣብ ታሪኽን ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓቢይ ተዘክሮ ገዲፉ ዝኸይድ ዘሎ`ዩ። ኣብ መጀመርያ 60`ታት ናብ ስነ-ጥበብ ዝተጸንበረ ኣለማየሁ እሸተ፡ ንዘመናዊ ሙዚቃታት ኢትዮጵያ ናብ ልዕል ዝበለ ደረጃ ካብ ዘብጽሑ ገዳይም ሓደ`ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝጻወቶ ዝነበረ ቅድታት ሙዚቃን ቁመናን ‘ ኤልቪስ ፕሪስሊ` ዝብል ቅጽል ሽም`ውን ተዋሂብዎ ኔሩ`ዩ። ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ንምሙጓስ “ውድ ባለ ቤቴ’ ፍትውቲ በዓልቲ ቤተይ ` ትብል ደርፉ`ውን ካብ ዝስመያ ሓንቲ`ያ።

XS
SM
MD
LG