ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 2 ሽሕ አባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነት ከምዘልዓለን ኣፍሊጡ


ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ኦህዴው ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዝርከቡ ኣሽሓት አባላት ኣመራርሓ ስጉምቲ ወሲደ ክብል ኣፍሊጡ።

ዘይግባእ አሰራርሓ ይስዕቡ ኔሮም ንዝበሎም ልዕሊ 2 ሽሕ አባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነት ከምዘልዓለን 540 ዝኾኑ ድማ ደረጃኦም ከምዘትሓተን ልዕሊ 3 ሽሕ ዝኾኑ ኸአ ካብ ኣባልነት ከምዝስረዘን ህዴው አፍሊጡ’ሎ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ አዳማ ዝተኻየደ ውድባዊ ጉባኤ ኦህዴው አቦ መንበሩ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ እውን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኦሮምያ ዝነብሩ ተወላዶ ካልኦት ክልላት’ውን ብዘይ ስግኣት ክነብሩ ዝኽእልሉ ኣብ ኹሉ ብርኪ ዘሎ ኣመራርሓ ነዚ ከተግብር ውሳነ ሓሊፉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG