ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨሊ ኣብ ምርጫ 2021 ንክወዳደሩ ወሲኑ


ገዛኢ ፓርቲ ኡጋንዳ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨሊ ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ኣብ ምርጫ 2021 ንክወዳደሩ ወሲኑ።

ገዛኢ ፓርቲ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኡጋንዳ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ነቲ ዕድመ ፕረዚደንት 75 ዓመት ክሓልፍ የብሉን ዝብል ሕጊ ድሕሪ ምልዓሉን ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ድማ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነዚ ውሳነ ድሕሪ ምጽዳቑ’ዩ።

እቲ ብኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ዝዕብለል ፓርላማ ኡጋንዳ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ መዝነት ኸጸንሑን ካልኣይ ጊዜ ቅዋም’ታ ሃገር ይቕይር ኣሎ ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኮይኖም ኣብ 1986 ናብ መሪሕነት ምምጽኦም ክሳብ ሕጂ ኣብ መዝነት ዝጸንሑ ክኾኑ ከለው መሪሕነቶም ብብልሽውና: ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት: ትሑት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኡጋንዳ ቀንዲ ተቐናቐኒ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ህቡብ ደራፋይ ነበር ቦኒ ወይን እዩ።

XS
SM
MD
LG