ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዓዊቱ


ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ምርጫ ብሰፊሕ ተዓዊቱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መሪሕነቱ ኣደልዲሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፡ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ካብ 436 መናብር ባይቶ ን410 መናብር ብምዕዋት መሪሕነቱ ኣደልዲሉ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምርጫ ናጻን ርትዓዊን ምንባሩ ይገልጽ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ግን “ብዙሕ ሃጓፋት ዝነበሮ ዘይምዕሩይ” ክብል ገሊጹዎ`ሎ።

ገለ ተቓወምቲ ፓርትታት`ውን ሒደት መናብር ተዓዊቶም ኣለዉ።

ተቓዋሚ ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) 11 መናብር ተዓዊቱ ኣሎ። እንተኾነ፡ ሰልፊ ኢዜማ፡ ናጻ ኣይነበረን ኣብ ዝበሎ 207 ንቑጣታት ምርጫ፡ ክስታቱ ናብ ቦርድ ምርጫ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ብመሰረት`ቲ ውጽኢት ምርጫ፡ ፓርቲ ብልጽግና ሓዲሽ መንግስቲ ብምምስራት ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነቱ ክቕጽል`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዓዊቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00


ኣብታ ብዂናት እትሕመስ ክልል ትግራይ ምርጫ ኣይተኻየደን።

XS
SM
MD
LG