ዋሽንግተን —
ገበነኛታት ገና ካብ በዓትታቶም ክወጹ’ዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ ዝበሉ ብመሰረታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተጠርጢሮም ይተሓዙ ዘለው ሰባት ብዝምልከት ኣብ ዝውጽእዎ መግለጺ ገበነኛታት ናይ ምህዳንን ናብ ፍርዲ ናይ ምቅራብ ከይዲ ተጀሚሩ ደአ እምበር ኣይተወደአን ኢሎም።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ናብ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝለአኾ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ንካንሰር ብሓባር ንከላከል ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ’ዩ።