ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ፍሉጣት ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከይዕወት ይሰርሑ ከምዘለው ኣፍሊጦም

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝተወሰኑ ፍሉጣት ሪፓብሊካን ፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ንክስዓር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

እዞም `ብሊንከን ፕሮጀክት` ዝተባህለ ፓለቲካዊ ውዳበ ዝቖሙ ፍሉጣት ሪፓብሊካን፥ ኣብቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፥ ኣባል ፓርቶም ዝኾነ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንካልኣይ ግዜ ንኸይምረጽ ክንቃለስ ኢና ይብሉ`ለዉ።

እዞም ብ `ሊንከን ፕሮጀክት` ዝብል ፖለቲካዊ ኮሚቴ ተጠርኒፎም ዘለዉ ሰባት ከም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣባላት ሪፓብሊካን ሰልፊ`ዮም - ግን ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ኣይንድግፈካን ይብልዎ`ለዉ- ። ሓደ ካብኦም ጠበቓ ሕጊ ጆርጅ ካንወይ እዩ- በዓል ቤታ ነታ ቀንዲ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ትራምፕ ዝኾነት ከሊየን ካንወይ ቅድሚ ሎሚ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዚ ዝስዕብ ጌሩ ኣቆናጺብዎ ኔሩ።

ትራምፕ፥ ነቲ ኣንጻሩ ዝጉስጉስ ዘሎ ሪፓብሊካን ጆርጅ ካንወይ “ኣይፈልጦን`የ-ስርሑ ግን ጨው የብሉን-ብዘይ ጥርጥር- ግን ሓቀይ`የ እዚ ኣነ ዝፈልጦ ሰብ ኣይኮነን። ነዛ ንፍዕቲ ሰበይቱ ግን ይጽይቐላ ኣሎ። ከሊየን ኣዝያ ብልጽቲ ሰበይቲ`ያ።ንዕኡ ከማን ሚስተር ከሊየን ኢለ ክጽውዖ ይሕሸኒ " ኢልዎ ኔሩ ።

ካልእ ትራምፕ ንኸይምረጽ ዝደሊ ድማ ወናኒ ካብ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ሓሰማ ኣመሪካ ዝኾነ ጂሚ ቶሽ`ዩ። ንትራምፕ ክድግፍ ሞራለይ ኣየፍቅደለይን`ዩ ይብል ።

" ምናልባት ምስቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ 80 % እሰማማዕ እኸውን። ግን ካብ ሞራላዊ መትከለይ ተበጊሰ ንሓሳዊ ክጻወር ኣይክእልን`የ። ኣብ ጎኒ ሓደ ቂመኛ ሰብ ደው ክብል ኣይክእልን`የ" ኢሉ እዚ መዋእሉ ሪፓብሊካን ዝኾነ ወናኒ ሕርሻ ሓሰማ።

ሓላፊ ትካል ተንታኒ ሪፓብሊካን ድምጺ ክሪስ ዊልሰን ግን ምስኦም ኣይሰማማዕን፥ ንሱ ኣብ ርኢትኡ፥ ንትራምፕ ክቃወሙ ክብሉ ንመናብር ሰነት ክልክሙ ኣይግባእን`ዩ- እዚ ስነ-መጎታዊ ኣይኮነን፥ ሪፓብሊካን ኣብ ኣብ ባይቶ ሰነት ዓብላልነቶም ክቕጽል ኣለዎ፥ እዞም ኣንጻር ትራምፕ ዝጉስጉሱ ዘለዉ ናቶም ናይ ውልቆም ርውየትን ናይ ገንዘብ ጉዳይን ከምኡ ዘግብሮም ዘሎ ይብል።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንካልኣይ ግዜ ንከይምረጽ ንምጉስጓስ ሊንከን ፕሮጀክት ክሳብ ዝሓለፈ ወርሕ ሰነ፡ ኣስታት 20 ሚልየን ዶላር ኣተኣኻኺቡ`ሎ- ።

ብኻልእ ወገን፥ ምስ መበል 43 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበረ ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብ ኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ፥ሓደ ፖለቲካዊ ኮሚቴ ኣቑሞም ንደሞክራት ሕጹይ ጆ ባይደን ክንድግፍ ኢና ይብሉ`ለዉ። ባይደን ካልእ ድጋፍ`ውን ይጽበዮ`ሎ- ሪፓብሊካን ፕረዚደንታዊ ሕጹይን ገዛኢ ኦሃዮ ዝነበረን ጆን ከይሲች ኣብቲ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ ዝግበር ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራት፡ ንጆ ባይደን ድጋፉ ዝገልጸሉ መደረ ከስምዕ መደብ ተታሒዝሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG