ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ እሱራት ቤት ማእሰርቲ መቐለ ሰብኣዊ መሰሎም ብዝጠሓሰ ኣገባብ ተታሒዞም ክብሉ ስድራቤት ጠሪዖም


ኣብ ቤት ማእሰርቲ መቐለ ደቅና ሰብኣዊ መሰሎም ብዝጠሓሰ ኣገባብ ተታሒዞም ይርከቡ ኣለው ክብሉ ስድራ ቤት እሱራት ጠሪዖም።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ ንበይኖም ተፈልዮም ዝርኸቡ ልዕሊ 70 እሱራት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀመሎም ኣሎ ኢሎም።

ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ተሓቲቱ እቶም እሱራት በቲ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ዝተተትሓዘ ብምዃኑ ዝርዝር መብርሂ ኣይህብን ኢሉ።

ነቶም መቕረብቲ ቅሬታን ምላሽ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ዝሓዘ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG