ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ኣብያተ እምነት ኢትዮጵያ: ብመንግስቲ ዝወጸ ምድራት ማሕበራዊ ምትእኽካብ ይጥሕሳ ምህላወን ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ፥ ገለ ኣብያተ-ክርስትያናት ነቲ ንኮሮናቫይረስ ንምክልኻል መንግስቲ ህዝቢ ከይእከብ ዘውጽኦ እገዳ ዕሽሽ ይብልኦ ከምዘአዋ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ናይ ህዝቢ ምትእኽኻብ ክቋረጽ መምርሒታት ብምውጻእ-ኣካላት ጸጥታ`ውን ከተግብርዎ ኣዚዙ`ዩ። እንተኾነ ገለ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ምትእኽኻቦም ብምቕጻሎም ነቲ እገዳ ምትግባሩ ኣጸጊሙ`ሎ።

ኣብ ቤተክርትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ሚድያ ዳንኤል ፈለቀ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ፥ ጉድለት መረዳእታ`ዩ ይብል።

“ብመሰረቱ ጉድለት መረዳእታ`ዩ። ነቲ መምርሒ ብምእባይ ኣይኮነን። ነቲ ሓደጋ ብግቡእ ካብዘይምርዳእ`ዩ። ገለ ሰባት እቲ ሕማም ማዕረ ክንደይ ከቢድን ተኣፋፍን ምዃኑ ምሉእ ርድኢት የብሎምን። ግን እዚ ኣብ ቀረባ ከምዝእረም ክንገብር ኢና።። ንሕና`ውን ብናትና መዲያ ተጠቂምና ክንእርሞ ንፍትን ኣለና።"

ዳንኤል ፈለቀ ኣተሓሒዙ፥ ብዙሓት ኢትዮጵያን`ውን ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ብዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታን ኣጉል-እምነትን ይጽለዉ ኣለዉ ይብል።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ኣምልኾ ንጹር መምርሕታት ኣውጺኦም ኣለዉ- ካብ መንጉኡ ሰባት ብውሕዱ 1.5 ሜትር ክርሓሓቑ ኣለዎም።

ዋና-ጸሓፊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ተሾመ ፊቅረ፥ ንኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዙሕ ስጉምትታት ይወሰድ ከምዘሎ ይገልጹ።

“ቅዳሴ ብውሕድ ዝበሉ ሰባት ቀጺልና ኣለና።ንሰባት ተቐቢሎም ቦታ ዘትሕዙ ኣገልገልቲ መዲብና ኣለና። ኣብ ሓደ ጣውላ 6 ሰባት ኮፍ ዝብሉ ዝነበሩ፥ ሎሚ ክልተ ሰባት ጥራይ ኮፍ ከምዝብሉ ኢና ንገብር ዘለና።"

እንተኾነ ሰባት ኮሮናቫይረስ ምንም ከምዘይጨንቖም ምርኣይ ንባዕሉ የሻቕል`ዩ ዝበሉ ኣባ ተሾመ፥ ነዚ ሸለል ምባል ድማ ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ሓደገኛ`ዩ ኢሎም።

ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ዝተባህለ ውድብ ድማ መንግስታት ኣብ እገዳ ምእካብ ሰባት ማዕረ ክንደይ የትግብራ ከምዘለዋ ይከታተል ኣሎ። እቲ ውድብ እቲ መምርሕታት እንተተግቢሩ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ እናወሓደ ክኸይድ`ዩ ይብል ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፥ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ`ዮም ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎኦም ነብሰ-ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ከምኡ`ውን ዕድሚኦም ንጥሮታ ዝኣኸለ ይርከብዎም።

ኣብቲ ክልል ንዝርግሓ`ቲ ሕማም ንምክልኻልን ምቁጽጻርን ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ግብረ ሃይልን ኮማንድ ፖስትን ቆይሙ በብመዓልቱ ዝተፈላለዩ ውሳነታት የሕልፍ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ገለ ኣብያተ እምነት ኢትዮጵያ: ብመንግስቲ ዝወጸ ምድራት ማሕበራዊ ምትእኽካብ ይጥሕሳ ምህላወን ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00



ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG