ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ኣባላት መቐለ ሰብዓ እንደርታ ሎሚ’ውን ተኣሲሮም ይርከቡ


ካብ መንጎ ትማሊ ዝተኣስሩ 200 ደገፍቲ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ትወዳደር ዘላ ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፣ ኣስታት ሰላሳ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝርከቡ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ምንጭታት ድምጺ ኣሜሪካ ‘ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኢትዮጵያ ቡናን መቐለ ሰብዓ እንደርታ ግጭት ከምዝነበረ’ ይገልጹ።

ፖሊስ ፌደራል ንደገፍቲ ቡና ኣቐዲሙ፣ ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ካብ’ቲ ስታድየም ንክወጹ ከምዝገበረን ንግጭት ከምዝነከየን’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

እንተኾነ ብእግሮም ናብ ከባቢኦም ይጓዓዙ ዝነበሩ ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ኣብ ‘ሃያ-ሁለት ማዞርያ’ ምስ በጽሑ ምስ ፖሊስ ተሰሓሒቦም ኣስታት 200 ካብ’ቶም ደገፍቲ ከምዝተኣሰሩ’ ሓላፊት ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ገነት ኣረፈ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ንሰን ወሲኸን ‘ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ድሕሪ ዝተገብረ ምዝርራብ መብዛሕተኦም ትማሊ ምሸት ከምዝተፈትሑን፣ ሰላሳ ሰባት ሎሚ’ውን ተታሒዞም ኣለው’ ኢለን።

ካብ ሞንጎ ደገፍቲ ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ሓደ ኣቶ ኣታኽልቲ ኃይለስላሴ ንወኪልና ግርማቸው ከበደ ከምዝገለጾ ‘እቶም ደገፍቲ ኣብ ጎደና ‘ፑሽ ኣፕ’ ብምስራሕ ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣላጊጽኩም፣ ‘ኣነ ወያነ’የ’ ‘ኣነ ጌታቸው ኣሰፋ’የ’ ኢልኩም ጨሪሕኩም ተባሂሎም’ዮም ተኣሲሮም’ ከምዝበሎ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG